ኣመሪካን ደቡብ ኮርያን፡ ወተሃደራዊ ልምምደን ስለምንታይ ሃንደበት ተቛሪጹ?

ፕረዚደንታት ትራምፕን ኪም ጆንግ ኡንን

ምንጪ ስእሊ, Reuters

Published
ንባብ: 3 ደቓይቕ

እቲ ንዓሰርተታት ዓመታት ንጸጥታ ዞባ ምብራቕ እስያ ከረጋግእ ዝጸንሐ ጽኑዕ ወተሃደራዊ ኪዳን ኣመሪካን ደቡብ ኮርያን፡ ሎሚ ኣብ ገምጋም ከቢድ ፈተና ይርከብ።

ዶናልድ ትራምፕ ምስቲ 'ጽቡቕ ርክብ ኣሎኒ' ዝብሎ መራሒ ሰሜን ኮርያ ኪም ጆንግ ኡን ንምቅርራብ ዝወሰዶ ሃንደበታዊ ስጕምቲ፡ ንደቡብ ኮርያ ጥራይ ዘይኰነስ ንመላእ ዞባ ፓስፊክ ኣሰንቢዱ ኣሎ።

እቲ 'ኡልቺ ፍሪደም ሽልድ' ተባሂሉ ዝጽዋዕ፡ ኣስታት 18,000 ወተሃደራት ደቡብ ኮርያን መሻርኽቲ ሃገራትን ዝሳተፉሉ ዓመታዊ ወተሃደራዊ ልምምድ፡ ገና ፍርቂ መደቡ ከይፈጸመ ሎሚ ዓርቢ 21 ነሓሰ ብሃንደበት ተቋሪጹ።

እዚ ዝዀነሉ ምኽንያት፡ ፕረዚደንት ዶናልድ ትራምፕ ነቲ ልምምድ "ዘይግቡእን ንሰሜን ኮርያ ዘበሳጩን" ብምባል፡ ምኒስትሪ ምክልኻል ኣመሪካ ነቲ ንጥፈታት ብዓቢዩ ክንክዮ ትእዛዝ ስለ ዘመሓላለፈ እዩ።

እዚ ብወገን ትራምፕ ዝተወስደ በይናዊ ስጕምቲ፡ ንደቡብ ኮርያ ጥራይ ዘይኰነ ንታይዋንን ጃፓንን እውን ከቢድ ስግኣት ፈጢሩለን ኣሎ።

ምኒስተር ጉዳያት ወጻኢ ደቡብ ኮርያ ቾ ሂዩን፡ እቲ ውሳነ ብሓባራዊ ስምምዕ ዝተገብረ ንምምሳል እኳ እንተ ፈተነ፡ ሰበ-ስልጣን ሰኡል ግን ብዛዕባ እቲ ትልሚ ኣቐዲሞም ዝፈልጥዎ ነገር ከም ዘይነበረ ተኣሚኖም እዮም።

ደቡብ ኮርያ ነቲ ምስ ኣመሪካ እተካይዶ ወተሃደራዊ ልምምድ፡ ካብ ስግኣት ፒዮንግያንግ ንምክልኻል ከም ቀንዲ ዋልታ እያ እትጥቀመሉ ነይራ።

ይዅን'ምበር፡ ትራምፕ ብዘይ ዝዀነ ምኽክር ወተሃደራቱ ኣቐዲሞም ክወጽኡ ምእዛዙ፡ ደቡብ ኮርያ ኣብቲ ዝጸንሐ ኪዳን ዘለዋ እምነት ንኽሰናኸል ገይሩዎ ኣሎ።

ካብዚ ሓሊፉ'ውን፡ ትራምፕ ነቶም ኣብታ ሃገር ዝርከቡ 27,000 ወተሃደራት ኣመሪካ ክንክዮም ወይ ድማ ነቲ ንሰሜን ኮርያ ካብ ንዩክለሳዊ ኣጽዋር ናጻ ናይ ምግባር ፖሊሲ ክሓድጎ ይኽእል እዩ ዝብል ስግኣት ኣንጸላልዩ ይርከብ።

ምምሕዳር ትራምፕ ንጉዳይ ጸጥታን ንግድን ብሓደ ጠርኒፉ ይሕዞ ብምህላዉ፡ ንደቡብ ኮርያ ኣብ ከቢድ ቍጠባዊ ጸቕጢ ኣውዲቕዋ ኣሎ።

ትራምፕ፡ ደቡብ ኮርያ ኣብቲ ምስ ኢራን ዘለዎ ምስሕሓብ ክትተሓባበሮ ብዘይምግዳሳን ነቶም ኣብ መሬታ ዝርከቡ ወተሃደራት ኣመሪካ እተውጽኦ ቍጠባዊ ወጻኢታት ትሑት እዩ ብምባልን ክወቕሳ ጸኒሑ እዩ።

ወተሃደራት ኣመሪካ ከም ኣካል ናይቲ ኣብዚ ሰሙን'ዚ ክካየድ ዝጸን ወተሃደራዊ ልምምድ፡ ኣብ ፓጁ ናይ ፈለግ ምስጋር ልምምድ እናኣካየዱ

ምንጪ ስእሊ, EPA

መግለጺ ስእሊ, ወተሃደራት ኣመሪካ ከም ኣካል ናይቲ ኣብዚ ሰሙን'ዚ ክካየድ ዝጸን ወተሃደራዊ ልምምድ፡ ኣብ ፓጁ ናይ ፈለግ ምስጋር ልምምድ እናኣካየዱ

እዚ ኵነታት'ዚ፡ ደቡብ ኮርያ ኣብ ኣመሪካ ዘለዋ ጽግዕተኛነት ቀኒሳ፡ ናይ ባዕላ ንዩክለሳዊ መከላኸሊ ክህልዋ ዝብል ሓሳብ ኣብ ውሽጢ ሃገር ንኽለዓዓል መንገዲ ጸሪጉ ኣሎ።

ትራምፕ ምስ ኪም ጆንግ ኡን ዘለዎ ርክብ "ጽቡቕ እዩ" ይበል'ምበር፡ ፒዮንግያንግ ግን ንዩክለሳዊ ኣጽዋራ ከቶ ከም ዘይተውርዶ ብተደጋጋሚ ትገልጽ ኣላ።

ኪም ጆንግ ኡን ሕጂ ምስ ሩስያን ቻይናን ዘለዎ ርክብ ስለ ዝደልደለ፡ ካብ ኣመሪካ ዝደልዮ ዓቢ ረብሓ የሎን።

ሰሜን ኮርያ ኣብቲ ኣብ ዩክረይን ዝካየድ ዘሎ ኲናት ንሩስያ ብሚሳይላትን ብኣሽሓት ዝቝጸሩ ወተሃደራትን ትሕግዝ ብምህላዋ፡ ወተሃደራዊ ተመኵሮኣን ቴክኖሎጂኣን ዝያዳ ክብ ኢሉ ይርከብ።

ከምቲ ክኢላታት ዝሰማምዕሉ፡ ደቡብ ኮርያ ካብ ሰሜን ኮርያ ርእሳ ንምክልኻል ምስ ኣመሪካ ዘለዋ ኪዳን "ናይ ህላወን ሞትን" ጉዳይ እዩ።

እቲ ትራምፕ ሒዝዎ ዘሎ ዘይተገማቲ ዲፕሎማስያዊ ኣካይዳ ግን፡ ነዚ ንዓሰርተታት ዓመታት ዝጸንሐ ርክብ ናብ ዘይተፈልጠ መጻኢ ይመርሖ ኣሎ።