እዚ ውሑድ ዳታ ብምጥቃም፡ ጽሑፍ ጥራይ እተንብቡሉ መርበብ ሓበሬታ ቢቢሲ ትግርኛ እዩ። ምሉእ ኣሳእልን ቪድዮታትን ንምርኣይ ድማ ቀንዲ መርበብ ሓበሬታና ተጠቐሙ።
ትግራይ፡ ላዕለዋይ ኣዛዚ ሓይልታት ምክልኻል ዘልዓሎም ጉዳያትን መግለጺ ህወሓትን
ላዕለዋይ ኣዛዚ ሓይልታት ትግራይ፡ ሰበ-ስልጣን መንግስቲ ፈደራልን ኢትዮጵያን መሻርኽቶምን ኣብ ልዕሊ ሰላማውያን ነበርቲ ትግራይ ሰፊሕ ምግሃስ ሰብኣዊ መሰላት ይፍጽሙ ኣለዉ ክብል ዝኸሰሰ ኰይኑ፡ ህወሓት ዝመርሖ ዝነበረ፡ ድሕሪ ኲናት ተደፊኡ ካብ መቐለ ዝወጸ መሓውር ብወገኑ ብዛዕባ ማእሰርትን ምስዋርን ኣማኢት ተጋሩ ዓለምለኻዊ መርመራ ክካየድ ጸዊዑ ኣሎ።
ምክትል ኣዛዚ ሓይልታት ትግራይ ሃይለስላሰ ግርማይ (ወዲ እምበይተይ) ብረቡዕ፡ ካብ ዘይተገልጸ ቦታ ብመንገዲ ቻነል ተለቪዥን 'ትግራይ ሚስያ ኮርፖሬሽን' ኣብ ዘስምዖ መግለጺ፡ ሰላማውያን ዜጋታት ኣብቲ ኣብ ልዕሊ ትግራይ ይካየድ ኣሎ ዝበሎ ወፍሪ፡ ማእሰርቲ፡ ብግዲ ምስዋር፡ ቅትለትን ከቢድ ቍጠባዊ ጸበባን የጋጥሞም ከም ዘሎ ገሊጹ።
እዚ ክሲ'ዚ ብስም ምምሕዳር ክልል ትግራይ ዝነበረ ኣብ ዝወጸ ካልእ መግለጺ እውን ዝተደገፈ ኰይኑ፡ ፈደራላዊ መንግስቲ ኢትዮጵያ ኣብ ክልል ዓፋር ልዕሊ 600 ተጋሩ ብዘይሕጋዊ መንገዲ ኣሲሩ ኣሎ ብምባል ከሲሱ፤ ብዛዕባ ብግዲ ምስዋር ዝወጹ ዘለዉ ጸብጻባት እውን ዓቢ ስግኣቱ ገሊጹ ኣሎ።
ቢቢሲ ነዚ ክስታት ብናጻ ኣካል ኣየረጋገጾን፤ መንግስቲ ፈደራል እውን ብዛዕባ እዚ ክሲ ዛጊት ምላሽ ኣይሃበን።
ሃይለስላሰ ግርማይ ኣብ መግለጺኡ፡ "ንህወሓት ንትግራይን ንምድኻምን ንትካላታ ንምጭፍላቕን ወተሃደራውን ፖለቲካውን ሜላታት ይጥቀሙ ኣለዉ" ክብል ከሲሱ።
ሰላማውያን ሰባት ኣብ ትሕቲ ፍርህን ስግኣትን ይነብሩ ምህላዎም ዝገለጸ እቲ ኣዛዚ፡ ሓይልታት ጸጥታ ማእሰርቲ ይፍጽሙ፡ ንብረት ይዘርፉ፡ ከምኡ'ውን ማሕበራውን ቍጠባውን ትሕተ-ቅርጽታት ዒላማ ይገብሩ ኣለዉ ክብል ወቒሱ። ፋብሪካታትን ህዝባዊ ንብረትን ድማ ካብቲ ክልል ተመንቍሱ ናብ ካልእ ከባቢታት ይግዕዝ ከም ዘሎ ተዛሪቡ።
እዚ ጉዳይ "ምግዓዝ ንብረት" ኣዛራቢ ኰይኑ ዝጸንሐ ጉዳይ ክኸውን እንከሎ፡ ኣብ ግዝያዊ መጕዚት ምምሕዳር ትግራይ ሓላፊ ጉዳያት ፖለቲካን ምልዕዓል ህዝብን ዝዀነ ኣቶ ረዳኢ ሓለፎም ኣብ ዝሓለፈ እዋናት ኣብ ዝሃቦ መግለጺ፡ "እቲ ንብረት ካብ ዝምታን ዕንወትን ንምክልኻል" ውሑስ ናብ ዝተባህለ ቦታ ከም ዝገዓዘ ገሊጹ ነይሩ።
እዚ ዳግማይ ዝተወልዐ ኲናት ትግራይ ብ23 መስከረም ከም ዝተጀመረን፡ ሓይልታት ትግራይ ኣብ ፈለማ ጥቅምቲ ተደፊኦም ካብ ከተማታት ትግራይ ከም ዝወጹን ይዝከር።
ምክልትል ኣዛዚ ሃይለስላሰ ግን፡ ሓይልታት ትግራይ ካብ ከተማታት ዝወጹ ኣብ ዓውደ-ውግእ ብዘጋጠመ ስዕረት ዘይኰነስ፡ ውሽጣውን ደጋውን ውዲታት ብምፍጣሩ ምዃኑ ብምግላጽ፡ እቲ ሰራዊት ካብ ሽዑ ጀሚሩ ዳግም ተወዲቡ ወተሃደራዊ ስርሒታቱ ከም ዝጀመረ ተዛሪቡ።
ብዛዕባ ህሉው ኵነታት ሰራዊቶም፡ ኣቃውማ ማእከላይ ኮማንድ ፖስትን፡ ግንባራት ውግእን ኣመልኪቱ እውን ብዝርዝር መብርሂ ሂቡ እዩ።
እዚ መግለጺታት ዝወጽእ ዘሎ፡ ዋላ'ኳ እቲ ኣብ ሕዳር 2022 ኣብ መንጎ ሰራዊት ፈደራልን ሓይልታት ትግራይን ንዝነበረ ናይ ክልተ ዓመታት ውግእ ደው ዘበለ ስምምዕ ሰላም ፕሪቶርያ እንተ ተኸተመ፡ ኣብ ሰሜናዊ ኢትዮጵያ ወጥሪ ቀጺሉ ኣብ ዘለወሉን ብዛዕባ ምርግጋእ እቲ ዞባ ስግኣታት እናዓበየ ኣብ ዝኸደሉን ህሞት እዩ።
እቲ ብ18 ሕዳር ዝወጸ መግለጺ፡ ብሰልፊ ብልጽግና ዝምራሕ ፈደራላዊ መንግስቲ ኣብ ልዕሊ ተጋሩ "ናይ ምጭቋን ዘመተ" የካይድ ኣሎ ክብል ከሲሱ።
ወሲኹ፡ ኣብ ክልል ዓፋር ኣብ ዝርከብ መዳጐኒ ማእከል ኣዋሽ ኣርባ ልዕሊ 600 ተጋሩ ኣብ ትሕቲ "ኢ-ሰብኣዊ" ኵነታት ተኣሲሮም ከም ዘለዉ ብምግላጽ፡ ገሊኦም እሱራት ድማ ናብ ዘይተፈልጠ ቦታታት ከም እተወስዱ ኣመልኪቱ።
ዓለምለኻዊ ኮሚተ ቀይሕ መስቀል፡ ውድብ ሕቡራት ሃገራትን ከም ኣምነስቲ ኢንተርናሽናልን ሂውማን ራይትስ ዎች ዝኣመሰሉ ኣህጉራውያን ትካላት ሰብኣዊ መሰላትን ነዚ ክስታት መርሚሮም ናብቶም እሱራት ንክበጽሑ ጸቕጢ ክገብሩ ድማ ጸዊዑ።
ብተወሳኺ፡ ብሰንኪ መንነቶም ጥራይ ተኣሲሮም ዘለዉ ተጋሩ ብህጹጽ ክፍትሑን ኣብቶም መዳጐኒ ማእከላት ናጻ ምክትታል ክግበርን ሓቲቱ ኣሎ።
ቢቢሲ ቍጽሪ እቶም እሱራት፡ ኣብቲ መግለጺ ዝተጠቕሰ ኵነታትን ክሲታት ብግዲ ምስዋርን ብናጻ ወገን ከረጋግጽ ኣይከኣለን። ፈደራላዊ መንግስቲ ኢትዮጵያ ይኹኑ ሰበ-ስልጣን ክልል ዓፋር ድማ ነዚ ብሰበስልጣን ህወሓትን ብኣዛዚ ሓይልታት ትግራይን ዝቐረበ ክስታት ዝሃብዎ ቀጥታዊ ምላሽ የሎን።
መንግስቲ ኢትዮጵያ ቅድሚ ሕጂ ኣብ ልዕሊ ተጋሩ ዝቐረበሉ ናይ ምጽናት ዘርእን ስርዓታዊ ጭቈናን ክስታት ብተደጋጋሚ ዝነጸጎ ኰይኑ፡ ኣብ እዋን ዝሓለፈ ኲናት ትግራይ ዝተኻየዱ ግፍዒታት ግን ብዝተፈላለዩ ትካላት ተሰኒዶም እዮም።
ሃይለስላሰ (ወዲ እምበይተይ) ኣብ መግለጺኡ፡ ጐረባብቲ ሃገራትን ዞባውያን ተዋሳእትን ነዚ ናይ ሕጂ መሪሕነት ኢትዮጵያ ከም ሓደጋ ዞባዊ ምርግጋእ ገይሮም ይርእይዎ ኣለዉ ብምባል፡ ምስ መንግስታት ኤርትራን ሱዳንን ንዘለዎም ሽርክነት እውን ጠቒሱ።