ኣብ ኒጀር ዕጡቓት ብዝፈጸሙዎ መጥቃዕቲ 69 ሰባት ሞይቶም

ምንጪ ስእሊ, AFP VIA GETTY IMAGES
Published
ኣብ ኒጀር ብእስላማውያን ዕጡቓት ብዝተፈፀመ መጥቃዕቲ፡ ብውሑዱ 69 ሰባት ድሕሪ ምቕታሎም እታ ሃገር ንክልተ መዓልታት ዝፀንሕ ሃገራዊ ሓዘን ኣዊጃ።
እቲ መጥቃዕቲ ኣብ ደቡባዊ ምዕራብ እታ ሃገር፡ ምስ ማሊ ኣብ ዘዳውብ ከባቢ’ዩ ተፈፂሙ።
ከንቲባ እቲ ከባብን መራሒ ሚሊሻን ካብ ግዳያት እቶም መጥቃዕቲ ከም ዝኾኑ መንግስቲ ኣፍሊጡ።
ካብቲ መጥቃዕቲ ብህይወት ዝተረፉ ንምርካብ፡ ኣለሻ ይቕፅል ከም ዘሎ ድማ ተገሊፁ።
ዛጊድ ነቲ ኣብ ዝሓለፈ ሰሉስ ዝተፈፀመ ደማዊ መጥቃዕቲ ብወግዒ ሓላፍነት ዝወሰደ ኣካል የለን።
እቶም ነዚ መጥቃዕቲ ዝፈፀሙ ስግር ዶብ ማሊ ከም ዝሃደሙ ፀብፃባት ሓቢሮም።
ሚኒስትር ውሽጣዊ ጉዳያት ኒጀር፡ ኣብ ምዕራባዊ ቲላበሪ 55 ኪሎ ሜትር ርሒቃ ኣብ ትርከብ ቁሸት፡ ብከንቲባ ባኒባንጉ ዝምራሕ ልኡኽ፡ “ብዘይተፈለጡ ዕጡቓት ሸፋቱ” ድብያዊ መጥቃዕቲ ከም ዝተፈፀሞ ገሊፁ።
ጅሃዳውያን ሓይልታት፡ ምስ ማሊ፣ ቡርኪናፋሶን ናይጀርያን ኣብ ዘዋስኑ ዶባት ኒጀር ተደጋጋሚ መጥቃዕትታት ከም ዝፍፅሙ’ዩ ዝግለፅ።
ኣብዚ ዓመት ጥራሕ ኣብ ደቡባዊ ምዕራብ እታ ሃገር፡ ልዕሊ 500 ሰባት ተቐቲሎም።
ኣብቲ ዝሓለፈ ወርሒ መጋቢት ብጥርጡራት ጅሃዳውያን፡ ኣብ ሰለስተ ቁሸታት ብዝተፈፀመ ዝተዋደደ መጥቃዕቲ፡ 137 ሰባት ከም ዝተቐትሉ ይዝከር።
![ቢን ሳልማን [ማእከል] ብየማኑ ኤርዶጋን፡ ብጸጋሙ ድማ ሸሪፍ](https://ichef.bbci.co.uk/ace/ws/660/cpsprodpb/7b12/live/e9429690-9998-11f1-870d-5d08c49babb2.jpg.webp)











![ፊልሞን ሓጎስ፣ ኪዳነ ኣንገሶምን ክብሮም ገብረማርያምን [ካብ ጸጋም ናብ የማን] ኣብ 21 ሚያዝያ 2026 ብሞት ተቐጺዖም](https://ichef.bbci.co.uk/ace/ws/400/cpsprodpb/2266/live/c9828950-553c-11f1-b682-cf91850925ea.png.webp)



