እዚ ውሑድ ዳታ ብምጥቃም፡ ጽሑፍ ጥራይ እተንብቡሉ መርበብ ሓበሬታ ቢቢሲ ትግርኛ እዩ። ምሉእ ኣሳእልን ቪድዮታትን ንምርኣይ ድማ ቀንዲ መርበብ ሓበሬታና ተጠቐሙ።
ቱር ዲ ፍራንስ ካብ መወዳእታ ወርሒ ነሓሰ ጀሚሩ ካካየድ ተወሲኑ
ዓመታዊ ኣብ ወርሒ ሰነን ሓምላን ዝካየደ ዝነበር 'ቱር ዲ ፍራንስ' ብሰንኪ ኮሮናቫይረስ ናብ ወርሒ ነሓሰ 29 ተሰጋጊሩ።
እዚ ካብ ዓለምና ዝበርተዐን ብዙሕ ሰብ ዝከታተሎን ቱር ዲ ፍራንስ፡ እቲ ካብ ጋንታ ኢንዮስ፡ ኢጋን በርናል ዝተዓወተሉ ናይ ዝሓለፈ ዓመት ውድድር ካብ 27 ሰነ ክሳብ 19 ሓምለ እዩ ተኻይዱ ነይሩ።
ሎሚ ዓመት ግን፡ መንግስቲ ፈረንሳ ብሰንኪ ለበዳ ኮሮናቫይረስ ህዝባዊ ምትእኽኻባት ክሳብ ወርሒ ሓምለ ስለዝኸልከለ ውድድሩ ካብ መወዳእታ ወርሒ ነሓሰ ክጅምር ተወሲኑ ኣሎ።
ብሰንኪ ኮሮናቫይረስ ብዙሓት ዓለማውያን ውድድራት ስፖርት ደው ኣብ ዝበልሉ፡ ውድድር ቱር ዲ ፍራንስ ዋላ መዓልቲ መጢጡ'ውን ክካይደ ምውሳኑ፡ ንቱር ዲ ፍራንስ ኣርባዕተ ግዜ ዝተዓወተሉ ክሪስ ፍሩም "ብዙሓት ነዚ ዜና ሃረር ኢልና ኢና ክንጽበዮ ጸኒሕና፡ ሕጂ ኸኣ ኣብቲ መወዳእታ ጸላም፡ ብርሃን ክርኣየና ጀሚሩ'ሎ" ኢሉ።
ኣብ ወርሒ ግንቦት ክካየድ ወጥን ወጺእዎ ዝነበር ጂሮ ዲ ኢታሊ፡ ከምኡ'ውን ኣብ መርሒ መስከረም ዝካየስ ቮልታ ስጳኛ፡ ንድሕሪት ስለዝተስሓቡ፡ ድሕሪ እቲ ኣብ ወርሒ መስከረም ዝካይደ ቻምፕዮን ዓለም እዮም ክካየዱ።
እቲ ቅድሚ ሕጂ ኤርትራያን ዳንኤል ተኽለሃይማኖት፡ መርሃዊ ቅዱስን ናትናኤል ብርሃነን ኣብ ዝተፈላለይ ዓመታት ዝተሳተፍዎ ውድድር ቱር ዲ ፍራንስ ኣብ ኤርትራ ብዙሓት ሰዓብቲ ከም ዘለዉዎ ይፍለጥ።
ኣብ 2015 መርሃዊ ቅዱስን ዳንኤል ተኽለሃይማኖትን ምስ ደቡብ ኣፍሪቃዊት ጋንታ ኤምቲኤን ኩበካ ኮይኖም ኣብ ቱር ዲ ፍራንስ ኣብ ዝተሳተፍሉ፡ ዳንኤል ተኽለሃይማኖት ኣብ ቀዳሞት መዓልታት ናይቲ ውድድር ናይ ዓቀብ ነጠብጣብ ማልያ ወኒኑ ምንባሩ ይዝከር።