ህንዲ፡ ዝናብ ብዘስዓቦ ዕልቕልቕ ልዕሊ 100 ሰባት ሞይቶም

ኣብ ዞባታት ኡታር ፕራድሰን ቢሃርን ብዙሓት መንብሪ ኣባይቲ ባማይ ኣዕለቕሊቖም እዮም።
መግለጺ ስእሊ, ኣብ ዞባታት ኡታር ፕራድሰን ቢሃርን ብዙሓት መንብሪ ኣባይቲ ባማይ ኣዕለቕሊቖም እዮም።
Published

ኣብ ህንዲ፡ ዞባታት ኡታር ፕራድሰን ቢሃርን፡ ብርቱዕ ዝናብ ብዘስዓቦ ዕልቕልቕ ልዕሊ 100 ሰበት ከምዝሞቱ ሰብ መዚ እታ ሃገር ሓቢሮም።

ኣብ ክልቲኤን ዞባታት፡ ኣገልግሎት ባቡር፡ ካልእ መጓዝያ፡ ኣገልግሎት ጥዕና፡ ትምህርትን ቀረብ ኤሌክትሪክን ተሰናኺሉ ከምዝሎ'ውን ገሊጾም።

ሓለፍቲ ዞባ ኡታር ፕራዲሽ፡ ኣብቲ ዞባ፡ ካብ ሓሙስ ክሳብ ሎሚ 93 ሰባት ሞይቶም ከምዘለዉ ሓቢሮም።

ኣብ ዞባ ቢሃር እውን፡ ቁጽሪ ምውታት 29 ከም ዝበጽሐ ሰብ መዚ ምክልኻል ሓደጋታት እታ ዞባ ሓቢሮም።

ኣብ ርእሰ ከተማ ዞባ ቢሃር ዝኾነት ከተማ ፓንታ፡ እቲ ዕልቅልቕ ብርቱዕ ዕንወት ከምዘውረደ እውን ተፈሊጡ።

እቶም ቀንዲ ጎደታት፡ ሰብ ብጀላቡ እዩ ዝንቀሳቀሰሎም ዘሎ
መግለጺ ስእሊ, እቶም ቀንዲ ጎደታት፡ ሰብ ብጀላቡ እዩ ዝንቀሳቀሰሎም ዘሎ
ኣገልግሎት ሕክምና እቲ ከባቢ ተሰናኺሉ ይርከብ
መግለጺ ስእሊ, ኣገልግሎት ሕክምና እቲ ከባቢ ተሰናኺሉ ይርከብ
ሰብ መዚ ትጽቢት ዘይተገበረሉ ዓቐን ማይ ከምዝሃረመ እዮም ዝዛረቡ
መግለጺ ስእሊ, ሰብ መዚ ትጽቢት ዘይተገበረሉ ዓቐን ማይ ከምዝሃረመ እዮም ዝዛረቡ

ሰብ መዚ እዘን ዞባታት፡ ሓይሊ ኣየር ሄሊኮፕተራት ክሰደሎምን መንግስቲ ድማ መጨንጉዒ ማይ ዝኾና ሞተራት ክቕርበሎምን ሓቲቶም ኣለዉ።

መግለጺ ቪድዮ, ዘትክኽ ሓርማዝ ኣብ ሃገረ ህንዲ