ቕነ ኣፍሪቃ ብስእሊ፡ ካብ 7 ክሳብ 13 መስከረም 2018

Published

ሕሩያት ስእልታት ኣፍሪቃን ኣፍሪቃዉያንን እዚ ሰሙን።

ስዊዘርላንድ 08 መስከረም 2018
መግለጺ ስእሊ, ኢትዮጵያዊ ብርሃኑ መኮንን ኣብቲ ዝሓለፈ ቐዳም፡ ኣብ ስዊዘርላንድ ኣብ ዝተኻየደ ማራቶን ጀንግፋሩ ጎይዩ።
13 መስከረም 2018፡ ኣብ ናይሮቢ፡ ሩባ ኣብ ዘለዎ ከባቢ ብዘይሕጋዊ መገዲ ተሃኒጹ ዝተብሃለ ማእኸል ንግዲ ፈሪሱ'ዩ።
መግለጺ ስእሊ, ኣብቲ ዝሓለፈ ሓሙስ፡ መንግስቲ ኬንያ ብዘይሕጋዊ መገዲ'ዩ ተሃኒጹ ዝበሎ ማእኸል ዕዳጋ ኣብ ከተማ ናይሮቢ ኣፍሪሱ።
መናቱ ህጻናት 8 መስከረም 2018
መግለጺ ስእሊ, እዞም ህጻናት ኣብ ኣይቬሪኮስት ኣብ ዝተኻየደ መዓልቲ መናቱ ተሳቲፎም።
ኣይቬሪኮስታዉያን ኣብ ኣቦቦዱሜ ኣብ ዝተኻየደ ፌስቲቫል 08 መስከረም 2018
መግለጺ ስእሊ, ዝሓለፈ ቐዳም፡ ቅድሚ ብዙሓት ኣማኢት ዓመታት ሕዚ ጋና ተባሂላ ካብ እትጽዋዕ ሃገር ዝመጽኡ ህዝብታት ኢብሪ ንምኽባር እዘን ደቂ ኣንስትዮ ሓደ ዓይነት ኣከዳድና ተኸዲደን ዉዒለን
ህዝቢ ኢብሪ፡ ናይ ሰለስተ ኽፍለ ዘበን ዕድመ ዘለዎ ዓመታዊ ፌስቲቫሎም እናኽበሩ
መግለጺ ስእሊ, ህዝቢ ኢብሪ፡ ናይ ሰለስተ ኽፍለ ዘበን ዕድመ ዘለዎ ዓመታዊ ፌስቲቫሎም እናኽበሩ
ሓዘንተኛታት ኣብ ጋና
መግለጺ ስእሊ, ኣብ ርእሰ ከተማ ጋነ ኣክራ፡ ዜጋታት እታ ሃገር ሬሳ ዋና ጸሓፊ ዉድብ ሕቡራት ነበር ኮፊ ኣናን ንምኽባር ዘዳለዉዎ ስነ ስርዓት
ደቡብ ኣፍሪቃዊ ሰኣላይ ጀስቲን ዲንግዋል ዝሰኣሎም ስእሊታት ንምርኢት ቕሪቦም 7 መስከረም 2018
መግለጺ ስእሊ, ደቡብ ኣፍሪቃዊ ሰኣላይ ጀስቲን ዲንግዋል ዝሰኣሎም ስእሊታት ንምርኢት ቕሪቦም
ኣዴታት እቲ ዕለት ብዝተፈጠረለን ታሕጓስ ደርፊታት ደሪፈን
መግለጺ ስእሊ, ሰሉስ፡ ድሕሪ 20 ዓመት ዝተኸፈተ ኣብ ዶባት ክልቲኤን ሃገራት ሰጊራ ዛላምበሳ ካብ ሞንጎ ዝኣተዋ ኤርትራዉያን ኣደታት
ፕረዚደንት ጆርጅ ዊሃ፡ ካብ ፕረዚደንት ማሕበር ኩዕሶ እግሪ ላይቤሪያ ማሊያ ተቐቢሉ
መግለጺ ስእሊ, ፕረዚደንት ላይቤሪያ ጆርጅ ዊሃ፡ ተጻዋቲ ኩዕሶ እግሪ እናሃለወ ዝኽደኖ ዝነበረ ቑጽሪ 14 ማሊያ ብመልክዕ ዉህብቶ ተቐቢሉ። ዝሓለፈ ሰሉስ ድማ ምስ ናይጀሪያ ኣብ ዝተኻየደ ጸወታ ምሕዝነት ተጻዊቱ። ናይጀሪያ ክልተ ንሓደ ረቲዓ።

ስእሊታት ካብ ኤኤፍፒ፣ ኢፒኤ፣ ጌቲ ኢሜጂን ሮይተርስን