"ብዙሕ ባህልን እንተሃለወና 'ኳ ፥ ብስእሊ ግና ንድሕሪት ተሪፍና"

Published

ገፀ-ምድር ክልል ኦሮምያ፥ ታሪካዊ መስሕባት ከምኡውን ዝተፈላለዩ ባህሊታት ኦሮምያ ዘርኢ ፈላማይ ትረኢት ፎቶግራፍ ኣብ ኣዲስ ኣበባ ማእኸል ባህሊ ኦሮሞ ቀሪቡ። ካሳብ መስከረም 20 ድማ ንረኣይቲ ክፍቲ ኮይኑ ክቕኒ እዩ። እቲ ምርኢት ብሰኣላይን ባዓል ሞያ ፊልምን መንእሰይ ኣመንሲሳ ኢፋ ዝተዳለወ እንትኸውን፥ ብናቱ ሕርየት እዞም ስእልታት ኣቕሪብናልኩም።

ጓል ቦረና
መግለጺ ስእሊ, ደቂ ኣንስትዮ ቦረና ብጠስምን ካልእ ዝተፈላለየ መመላኽእን ፅባቐአን ይሕልዋ። እቲ ስእሊ ኣብ ዞባ ቦረና፥ ከተማ ኣሬኖ ዝተወስደ እዩ።
ኣብ ዓፂድ ዝወዓለ መንእሰይ
መግለጺ ስእሊ, ኣብ ክሊ ኣዲስ አበባ ዝርከብ፥ ሓረስታይ መንእሰይ ተወላዲ ኦሮሞ ዝዓፀዶ ዕትርቲ ስንዳይ እንትኣስር
ካብ ኣርሲ
መግለጺ ስእሊ, ወርሓት ክረምቲ ምስ ሓለፈ ካብ ዝተፈላለዩ አንፍታት ኦሮምያ ተኣኪቦም ንፈጣሪኦም የመስግኑ። እዘን ኣዴታት ኣብ ዝሓለፈ በዓል ኢሬቻ ካብ ዞባ አሩሲ ንቢሸፍቱ ዘምርሓ እየን።
ኣብ ሰቐላ ውሽጢ
መግለጺ ስእሊ, ይህ ፎቶ የገጠሪቷን ኦሮሚያ ህይወት በከፊል የሚያሳይ ነው። ፎቶግራፉ የተነሳው ሊበን ጉጂ ዞን ውስጥ ነው። ሂወት ገጠር ኦሮምያ ዘርኢ እዩ። እቲ መስሊ ዝተወሰደ ዞባ ጉጂ፥ ሊበን ከባቢ እዩ
ዓጋዜን/ጠሊ ዝመስል ተኽሊ
መግለጺ ስእሊ, ኣብ ቦረና ኦሮሞ ኣጣል ልዑል ቦታ እዩ ዝወሃበን። ደርቂ ፥ምፅዋር ስለዝኽእላ። ዓጋዜን ውይካዓ ፍየል ዝመስል ምስሊ ተኽሊ ዝተወሰደ ኣቤሎ ኣብ ዝተብሃለ ከባቢ ቦረና እዩ።
ከረዩ ግመሎም ሒዞም እንትጓዓዙ
መግለጺ ስእሊ, ልክዕ ከም ካልኦት ዓለሌታት ኦሮሞ፥ ከረዩ ቦኩ ዝተብሃለ ስርዓት ጋዳ ይኽተሉ። ንመወዳእታ ጊዜ ርኽከብ ስርዓትጋዳ ዝተገብረ ኣብ ዝሓለፈ ዓመት ታሬ ሎጎ ኣብ ዝተብሃለ ከባቢ እዩ።
ቤተ-መንግስቲ ኣባጅፋር
መግለጺ ስእሊ, ኣባጅፋር ካብ 1878-1932 ጅማን ከባቢኣነን ኣመሓዲሮም። እዚ ቤመንግስቶም ኣብ ከተማ ጅማ ኦልከዓ ኣብ ዝተብሃለ ከባቢ ይርከብ።
ኣጣል ኣብ ኩምሪ ፍልሖ
መግለጺ ስእሊ, ኩምሪ ፍልሖ ከም ቦረና ኣብ ዘኣመሰሉ ከባብታት ምርኣይ ዝተለመደ እዩ።