ኣብ ቱርኪ ዝርከብ ኣቢይ ኣሕመድ ምስ ፐረዚደንት ኤርዶጋን ተራኺቡ

ኣብ ዋዕላ ክሊማዊ ለውጢ (ኮፕ31) ንምስታፍ ኣብ ኣንታልያ ዝርከብ ኣቢይ ኣሕመድ ብወገኑ፡ ብዛዕባ ክልተኣዊ ጉዳያትን ዝቕጽል ዋዕላ ክሊማን ከምዝተዘራረቡ ጠቒሱ'ሎ። ዋዕላ ክሊማዊ ለውጢ (ኮፕ32) ኣብ ሕዳር 2027 ኣብ ርእሰከተማ ኣዲስ ኣበባ ክካየድ ተወሲኑ ምህላዉ ይፍለጥ።

ጽማቝ ሓበሬታ

ቀጥታዊ ሸፈነ

  1. ክቡራት ተኸታተልትና ንሎሚ ዝነበረና ቀጥታዊ ሸፈነ ኣብዚ ተዛዚሙ'ሎ፡ ንትሕዝቶታትና ኣብዚን ኣብ ኩሎም ማሕበራዊ መራኸቢታትናን ብምክትታልኩም ኣዚና ነመስግን፡ የቐንየልና!

    ቀጥታዊ ሸፈነና ጽባሕ ብሓደስቲ ትሕዝቶታት ክቕጽል'ዩ ተኸታተሉና. . . ።

  2. ኣንታልያ፡ ኣቢይ ኣሕመድ ምስ ፕረዚደንት ቱርኪ ተራኺቡ

    ኣቢይ ኣሕመድ ምስ ራሰፕ ታይፕ ኤርዶጋን ሰላምታ እናተለዋወጠ

    ቀዳማይ ሚኒስተር ኢትዮጵያ ምስ መራሒ ቱርኪ ራሲፕ ታይፕ ኤርዶጋን ከምዝተራኸበ ቤትጽሕፈት ኤርዶጋን ሓቢሩ።

    ኣብ ዋዕላ ክሊማዊ ለውጢ (ኮፕ31) ንምስታፍ ኣብ ኣንታልያ ዝርከብ ኣቢይ ኣሕመድ ብወገኑ፡ ብዛዕባ ክልተኣዊ ጉዳያትን ዝቕጽል ዋዕላ ክሊማን ከምዝተዘራረቡ ጠቒሱ'ሎ።

    ዓለምለኻዊ ዋዕላ ክሊማዊ ለውጢ (ኮፕ32) ኣብ ሕዳር 2027 ኣብ ርእሰከተማ ኣዲስ ኣበባ ክካየድ ተወሲኑ ምህላዉ ይፍለጥ።

    "ንኮፕ 31 ንምእንጋድ ንዝተገብረ ምድላዋትን እቲ ጉባኤ ብድምቀትን ዓወትን ንክዛዘም ቱርኪ ተርእዮ ዘላ ጻዕርታት ዘለኒ ኣድናቖ ገሊጸ ኣለኹ።

    "እዚ ድማ ኢትዮጵያ ንፕረዚደንትነት ኮፕ32 ንምርካብ ኣብ እተካይዶ ዘላ ምድላዋት ዘለዎ ኣጋርነት፡ ከምኡ'ውን ኣብ ናይ ሓባር ኣተኲሮ ዘድልዮም ዞባዊ ጉዳያት ንምትሕብባር ዘኽእሉ ዕድላትን ተዓዚብና" ይብል ኣብ ማሕበራዊ መራኸቢታት ኣብ ዘውጽኦ ሓበሬታ።

  3. እስራኤል፡ ሓድሽ ፓርላማ ብወግዒ ስራሑ ክፍልም'ዩ

    በንጃሚን ነታንያሁን ጋዲ ኢዘንኮትን

    ሓደስቲ ኣባላት ፓርላማ እስራኤል ሎሚ እብረ ስልጣኖም ንምጅማር ቃለማሕላ ክፍጽሙ እዮም።

    እቲ 'ክነሰት' ተባሂሉ ዝፍለጥ ፓርላማ (ሃገራዊ ባይቶ) ሓድሽ ቀዳማይ ሚኒስተር ክመርጽ ትጽቢት ይግበረሉ።

    ናይ ሓደራ ስልጣን ሒዙ ዘሎ ቀዳማይ ሚኒስተር በንጃሚን ነታንያሁ ዝመርሖ ጥምረት ሰልፍታት እኹል ዓብላሊ መናብር ብዘይምርካቡ ተቐናቓኒኡ መንግስቲ ከቕውም ተሓቲቱ ኣሎ።

    ኣዛዚ ሰራዊት እታ ሃገር ዝነበረ ጋዲ ኢዘንኮት ደገፍ ካልኦት ናኣሽቱ ብምርካቡ መንግስቲ ከቕውም ፕረዚደንት እታ ሃገር ብወግዒ ሕቶ ኣቕሪብሉ ይርከብ።

    ኣብተን ዝተዋህብኦ 28 መዓልቲን ክልተ ሰሙን ተወሳኺ ግዜን መንግስቲ ክምስርት እንተዘይክኢሉ ግን ወይ ነታንያሁ ክሕተት'ዩ፡ ወይ ከኣ ዳግማይ ሃገራዊ ምርጫ ክግበር እዩ።

    እቲ ኣዛዚ ሰራዊት ነበር ዝመርሖ ጥምረት ኣርባዕተ ሰልፍታት 48 መናብር ክዕወት እንከሎ፡ ነታንያሁ ዝመርሖ ልፍንቲ ድማ 53 መናብር ረኺቡ። እንተኾነ ንክልቲኦም መንግስቲ ከቝሙ ዘኽእል ብዘይምዃኑ ምስ ካልኦት ሰልፍታት ክዘራረቡ ነይሩዎም።

    ዛጊት ኢዘንኮት ናይ 67 ኣባላት ክነሰት ደገፍ ብምርካቡ'ዩ መንግስቲ ክምስርት ተሓቲቱ ዘሎ። እንተኾነ ኣብ መንጐ ሰልፍታት ዘሎ ናይ ፖሊሲ ፍልልያት ይኹን መዝነታት መን ወሰደ ዘበገሶ ምስሕሓብ ጠንቂ ምፍራስ ዝርርባት ወይ ዝተመስረተ መንግስቲ ክኾኑ'ዮም ዝራኣዩ።

    ፓርላማ (ክነሰት) እስራኤል 120 መናብር ዘለዎ ምዃኑ ይፍለጥ።

  4. ፈሪሖም ተባሂሎም ንሞት ዝተፈርዱ 66 ወተሃደራት

    ክልተ ደው ዝበሉ ዕጡቓት ወተሃደራት መንግስቲ ኣብ ስግር ማዕዶ ንዘሎ በሪኽ ዓዲ እናማዕደዉ

    ኣብ ደሞክራስያዊት ሪፓብሊክ ኮንጐ ፈሪሖም ተባሂሎም ዝተኸሰሱ ብውሕዱ 66 ወተሃደራት ንሞት ከምዝተፈርዱ ጸብጻባት ዜና እታ ሃገር ሓቢሮም።

    ኣብቲ ግጭትን ዘይምርግጋእን ዝነገሰሉ ምብራቓዊ ዞባ ሰሜን ኪቩ ዝተኻየደ መጋባእያ፡ 71 ወተሃደራት ብፍርሒ ተኸሲሶም ናብ ወተሃደራዊ ቤትፍርዲ ቀሪቦም። ካብኦም 66 ብሞት ክቕጽዑ ክውሰነሎም እንከሎ፡ ኣርባዕተ ናጻ ተባሂሎም፡ ሓደ ድማ ናይ 10 ዓመት ማእሰርቲ ተፈሪዱ።

    እቲ ስጉምቲ፡ ድሲፕሊን ናቶም ኣንጻር ዕጡቓት ተቓወምቲ ዝዋግኡ ዘለዉ ወተሃደራት መንግስቲ ንምሕያል ዝዓለመ ምዃኑ ሰራዊት እታ ሃገር ገሊጹ'ሎ።

    እቶም ወተሃደራት ምስቶም ኤም23 ዝተባህለ ጉጅለ ዝርከቦም 'ግንባር ዳግማይ ምስረታ ሃገር' ተባሂሎም ዝጽውዑ ልፍንቲ ተቓወምቲ ኣብ ዝዋግእሉ ዝነበሩ እዋን መዛግቦም ሓዲጐም ወጺኦም ተባሂሎም'ዮም ኣብ ዝሓለፈ ወርሒ ኣብ ቀይዲ ኣትዮም።

    ኣንጻር እቶም ኣብቲ ብማዕድን ዝሃብተመ ዞባ ኣገደስቲ ቦታታትን ከተማታትን ዝተቖጻጸሩ ዕጡቓት ዝዋግኡ ዘለዉ ሓይልታት መንግስቲ ብሰንኪ ጸጋማት ድሲፕሊንን ውደባን እናተዳኸሙ ከምዝመጹ ይንገር።

    ኣብ ዝሓለፈ ወርሒ'ውን ብተመሳሳሊ ክሲታት ናብ ወተሃደራዊ ቤትፍርዲ ዝቐረቡ 27 ወተሃደራት ንሞት ተሪዶም ነይሮም'ዮም።

  5. ኤርትራ ልኡላውነታ 'ኣብ ዋጋ ዕድጋ ከም ዘይኣቱ' ደጊማ ኣነጺራ

    leaders

    ኣብ መንጐ ኤርትራን ኢትዮጵያን ዘሎ ወጥሪ ንምህዳእ ዲፕሎማስያዊ ጻዕርታት ይቕጽል ኣብ ዘለወሉ እዋን፡ ኤርትራ ብዛዕባ ልኡላውነታን ግዝኣታዊ ሓድነታን ዘተ ከም ዘይትገብር ዳግማይ ኣረጋጊጻ።

    ብ9 ሕዳር ብማዕከናት ዜና መንግስቲ ኣብ ዝወጸ ሓተታ፡ መንግስቲ ኤርትራ ልኡላውነት፡ ናጽነትን ግዝኣታዊ ሓድነትን እታ ሃገር "ዘይግሃስ፡ ኣብ ዋጋ ዕድጋ ዘይኣቱን ፍጹምን" ምዃኑ ብምግላጽ፡ ነቲ 'ቀጻሊ ምትኹታዂ' ኢሉ ዝገለጾ ተግባራት እናሃለወ ክነሱ "ልዑል ትዕግስትን ግትኣተ-ነብስን" ከም ዝተኸተለ ወሲኹ ሓቢሩ።

    እቲ መግለጺ፡ ኤርትራ ንሰላም ዘለዋ ድሉውነት ኣብ ቦታኡ ኰይኑ፡ ኣብ ልኡላውነታ ጽልዋ ኣብ ዘሕድሩ ጕዳያት ግን ኣብ ትሕቲ ዝዀነ ይዅን ኵነታት ሕድገት ይዅን ዘተ ከም ዘይትቕበል ኣስሚሩሉ።

    እዚ ሓተታ ዝወጽእ ዘሎ፡ ዝምድና ኤርትራን ኢትዮጵያን ኣብ ዝኸፋአ ደረጃኡ ወዲቑ ስግኣት ሓድሽ ኲናት ኣብ ዝፈጠረሉ እዋን እዩ። ኣብቲ ኣብ ሰሜን ኢትዮጵያ ዝተኻየደ ኲናት ኣንጻር ህወሓት ጐድኒ ንጐድኒ እኳ እንተ ተዋግኣ፡ ክልቲአን ሃገራት ካብ ሽዑ ንነጀው ግን ብሰንኪ ኢትዮጵያ ኣፍደገ ባሕሪ ንምርካብ እትገብሮ ዘላ ደፋእታን ብዝተፈጥረ ፍልልያት ዝምድናአን ዛሕቲሉ ይርከብ።

    ኣብዚ ቀረባ እዋን፡ ሩስያን ቻይናን ከም ኣካል ናይቲ ኣብ ቀርኒ ኣፍሪቃ ርግኣት ንምድንፋዕ ዝግበር ሰፊሕ ጻዕርታት፡ ምስ ክልቲኦም መንግስታት ዘለወን ዲፕሎማስያዊ ርክብ ኣሐይለንኦ ኣለዋ።

    ሞስኮ ኣብ ኣጋጣሚ ዋዕላ ሩስያ-ኣፍሪቃ ንኽልቲኦም ወገናት ከተዛቲ ድልውነታ ገሊጻ ነይራ። ፍሉያት ልኡኽ ቻይና ኣብ ቀርኒ ኣፍሪቃ እውን ኣብ ኣስመራን ኣዲስ ኣበባን ብምብጻሕ ምስ ሰበስልጣን ክልቲአን ሃገራት ዘትዮም እዮም።

    እዘን ሃገራት ዝዀነ ወግዓዊ መስርሕ ሽምግልና እኳ እንተዘይኣወጃ፡ ጻዕርታተን ግን ኣብ መንጐ ኤርትራን ኢትዮጵያን ዘሎ ዝምድና ናብ ዝኸፍአ ሓደጋ ከይመርሕ ንምክልኻል ዝግበር ፈተነታት ኰይኑ ብሰፊሑ ይርአ ኣሎ።

    ሓተታ መንግስቲ ኤርትራ፡ ነቲ ኣብ እዋን ናይ 1998 ኲናት ዶብ ምስ ኢትዮጵያ ዝተነጸረ መርገጺ ብምዝኽኻር፡ "ናትና ኣይንህብን ዘይናትና ኣይንደልን" ዝብል ዘረባ ፕረዚደንት ኢሳይያስ ጠቒሱ ኣሎ።

    እዚ ድማ፡ ኤርትራ ንልኡላውነትን ግዝኣታዊ ሓድነትን ዝምልከት ሕቶታት ካብ ዘተ ወጻኢ ምዃኑ ዘነጽር እዩ።

  6. ትራምፕ፡ ኤፍ.ቢ.ኣይ ንርክብ ዋና ኣካያዲ ስራሕ ኤንቪድያ ምስ ቻይናዊት ሰላዪ ይምርምር ከምዘሎ ገሊጹ

    ፕረዚደንት ዶናልድ ትራምፕ ምስ ጀንሰን ሁዋንግ
    መግለጺ ስእሊ, ፕረዚደንት ዶናልድ ትራምፕ ምስ ጀንሰን ሁዋንግ

    ፕረዚደንት ኣመሪካ ዶናልድ ትራምፕ፡ ኤፍ.ቢ.ኣይ ኣብ መንጎ ዋና ኣካያዲ ስራሕ ትካል ቴክኖሎጂ ኤንቪድያን ቻይናዊት ሰላዪት ምዃና ዝተጠርጠረት ሰበይቲን ዘሎ ርክብ ይምርምር ከምዘሎ ገሊጹ።

    ትራምፕ ነዚ ዝገለጸ፡ ሓላፊ ትካላት ስለያ ኣመሪካ፡ ጀንሰን ሁዋንግ፡ ዒላማ ስለያ ቻይና ከምዝኾነ ከምዝኣመነ ዝገልጽ ጸብጻባት ድሕሪ ምውፅኡ'ዩ።

    ትራምፕ ትማሊ ሰኑይ ምስቲ ስራሕ መካየዲ- ሁዋንግ ከምዝተዘራረበ ጸብጻባት ሓቢሮም።

    ትራምፕ፡ "ሰላሊት ምዃና ዋላ ንእሽቶ ግምት ነይሩካ ድዩ?' ኢሉ ከምዝሓተተቶ፡ ንሱ ድማ "ሰላሊት ምዃና ሓሳብ ኣይነበረንን" ከምዝበሎን ተዛሪቡ።

    “እዚ ሓቂ እዩ ዝብል እምነት ኣለኒ፤ ኣሚነዮ ኣለኹ"።

    ቻይና፡ ንሁዋንግ ዒላማ ስለያ ገይራቶ ዝብል ፀብፃባት ነጺጋ ኣላ።

    ሚኒስትሪ ጉዳያት ወጻኢ’ታ ሃገር፡ ነቲ ክስታት “ፍጹም መሰረት ዘይብሉ፡ ግምታውን ንቻይና ፀለለሎ ንምኽዳንን ንምጽላምን ዝተዳለወ” ክብል ነጺግዎ።

    ኤንቪድያ፡ እቲ ዋና ኣካያዲ ስራሕ: ምስ ኣሊስ ዝተባህለት ቻይናዊት ሰላይ ዝነበሮ ርክብ ናጻ መርመራ ክካየድ ይጽውዕ ኣሎ።

    ይኹን 'ምበር ምስጢር ሃገራዊ ድሕነት ኣመሪካ ንሓደጋ ተቓሊዑ ዝብል ስግኣት ከምዘየለ ገሊፁ ኣሎ።

  7. ብስዑዲ ዓረብ ዝምራሕ ወተሃደራዊ ጥምረት፡ ሚሳይል ሑቲ ከምዝዓገቶ ገሊጹ

    ብስዑዲ ዓረብ: ወተሃደራዊ ጥምረት ሚሳይል ሑቲ ከምዝዓገቶ ገሊጹ

    ወሃቢ ቃል እቲ ብስዑዲ ዓረብ ዝምራሕ ወተሃደራዊ ጥምረት፡ ንሓደ ባሊስቲክ ሚሳይል ሑቲ ከምዘምከነ ኣፍሊጡ።

    ኣብ ኤክስ ኣብ ዝዘርግሖ ጽሑፍ፡ ስርዓታት ምክልኻል ኣየር ነቲ ብሑቲ የመን ናብ ደቡባዊ ስዑዲ ዓረብ ዝተተኮሰ ባሊስቲክ ሚሳይል ከምዝዓገቶን ከምኡ'ውን ከምዘዕነዎ ኣመልኪቱ።

    ኣብ የመን ዝመደበሩ ዕጡቕ ጉጅለ ሑቲ፡ ኣብ ውሽጢ ስዑዲ ዓረብ ዒላማታት ፈልዩ ይሃርም ኣሎ።

  8. መንግስቲ ኣመሪካ ዜጋታቱ ናብ ሽዱሽተ ሃገራት ማእከላይ ምብራቕ ከይገሹ ኣጠንቂቑ

    ሚኒስትሪ ጉዳያት ወጻኢ ኣመሪካ፡ ዜጋታት ኣመሪካ ናብ ኢራን፣ ዒራቕ፣ ሊባኖስ፣ ሊብያ፣ ሶርያን የመንን ዝርከብዎም ሽዱሽተ ሃገራት ማእከላይ ምብራቕ ከይገሹ ኣጠንቂቑ።

    እቲ ሚኒስትሪ ኣብ ማሕበራዊ መራኸቢታት ኣብ ዝዘርግሖ ጽሑፍ፡ ሽዱሽተ ሃገራት ኣብ ዝለዓለ ደረጃ መጠንቀቕታ ጉዕዞ፡ ማለት ኣብ ደረጃ ራብዓይ ከምዘለዋ ጽሒፉ።

    ብመሰረት ምደባ'ቲ ሚኒስትሪ፡ ዜጋታት ኣብ ትሕቲ ዝኾነ ይኹን ኩነታት ብዝኾነ ምኽንያት ናብተን ኣብ ደረጃ ራብዓይ ዝርከባ ሃገራት ከይገሹ ይሕብር።

    እቲ ጽሑፍ "ደረጃ 4 ኣብ ከባብያዊ ኩነታት ወይ ኣብቶም ከባቢታት ንኣመሪካውያን ንምሕጋዝ ዘለና ድሩት ዓቕምና መሰረት ብምግባር ኢና ንውስን ዘለና" ይብል።

    "እዞም ቦታታት ሓደገኛታት እዮም። ኣብ ትሕቲ ዝኾነ ይኹን ኩነታት ወይ ብዝኾነ ምኽንያት ናብኡ ኣይግሹ"።

    ብተወሳኺ ሚኒስትሪ ጉዳያት ወጻኢ ኣመሪካ፡ ኣፍጋኒስታን፡ ሩስያ፡ ዩክሬን፡ ሱዳንን ደቡብ ሱዳንን ካብተን ኣብዚ እዋን’ዚ ዝለዓለ መጠንቀቕታ ጉዕዞ ዝግበረለን ዘለዋ 23 ሃገራት ምዃነን ኣስሚሩለን።

  9. ኤርትራውያን ስደተኛታት ብኸመይ ናብ ሃገራት ባልቲክ ኤውሮጳ ይበጽሑ ኣለዉ?

    ኤርትራውያን ስደተኛታት ብኸመይ ናብ ሃገራት ባልቲክ ኤውሮጳ ይበጽሑ ኣለዉ?

    ኣብዚ ቀረባ ግዝያት ዝተፈላለያ መርበባት ሓበሬታ ኤርትራውያን ዝርከቡዎም ዜጋታት ኣፍሪቃ ናብ ሃገራት ባልቲክ ኤውሮጳ ይኣተው ከምዘለው ይጽብጽባ ኣለዋ። እዞም ስደተኛታት ግን በየን ኣቢሎም እዮም ተጓዒዞም? ብኸመይ'ከ ናብ ሃገራት ባልቲክ ኤውሮጳ ይኣትው ኣለው? እዚ ዓንቀጽ እዚ ክድህስሶ እዩ።

    ዝተፈላለየ ጸብጻባት ከም ዝሕብሩዎ ሓያሎ ዜጋታት ምብራቕን ቀርኒ ኣፍሪቃን ካብ ኤርትራ፡ ኢትዮጵያን ሱዳንን ሶማልን ማእከላይ ምብራቕን: ብቤላሩስን ላቲቭያን ኣቢሎም ናብ ሰሜን ኤውሮጳ ይውሕዙ ኣለው።

    እቶም ሰባት ብርክት ዝበለ ገንዘብ ከፊሎም፡ ገሊኦም ብማህደረ ትምህርቲ፡ ገሊኦም ከኣ ብናይ ስራሕ ቪዛ፡ ፈለማ ናብ ሩስያ ወይ ቤላሩስ፡ ካብኡ ናብ ላቲቭያ፡ ሊትወንያ ወይ ከኣ ፖላንድ ከምዝሰግሩ፡ ብድሕሪኡ ብፊንላድን ሽወደንን ኣቢሎም ናብ ካልኦት ሃገራት ኤውሮጳ ከምዝሰግሩ ይንገር።

    ግን ብዙሓት ካብኣቶም ኣብ ዶባት እተን ዝሰግሩለን ሃገራት ከቢድ ግፍዕን በደልን እዩ ዘጋጥሞም። ብ21 ጥቅምቲ 2025 ንኣብነት፡ ክልተ ኤርትራውያን ሬሳ ወዲ 29 ዓመት ብጻዮም ተሰኪሞም ኣብ ዶብ ቤላሩስን ላቲቭያን ከምዝተረኽቡ ኮሚተ መርመራ ቤላሩስ ምሕባሩ ይዝከር።

    እቶም ኤርትራውያን ኣብ ላቲቭያ ምስ በጽሑ ዩኒፎርም ብዝለበሱ ሰባት ተሌፎናቶም ተሰባቢሩ፡ ብሓይሊ ናብ ሚኒባስ ከእትውዎም ኤለክትሪካዊ ጨረርታ ዘመሓላልፍ መሳርሒ ምስ ተጠቕሙ ብጻዮም ወዲቑ ምንቅስቓስ ምስ ኣቋረጸ፡ ተሰኪሞምዎ ናብ ቤላሩስ ክሰግሩ ከም ዘገደድዎም እቲ ሽዑ ዝወጽአ ዜና የረድእ።

    ምሉእ ዛንታ

  10. ትግራይ፡ ኵነታት ድርቂ ህጹጽ ግብረመልሲ ረዲኤት ከም ዘደልዮ ጻውዒት ቀሪቡ

    ትግራይ፡ ኵነታት ድርቂ ህጹጽ ግብረመልሲ ረዲኤት ከም ዘደልዮ ጻውዒት ቀሪቡ

    ውድብ ሳልሳይ ወያነ ትግራይ፡ ኣብ ትግራይ ህጹጽ ዓለምለኻዊ ሓገዝ ክግበር ተማሕጺኑ።

    ምስ ክሊማዊ ተርእዮ ኤል-ኒኖ ዝተኣሳሰር ድርቂ፡ ኣብ ርእሲ'ቲ ቀጺሉ ዘሎ ግጭት ተወሲኹ፡ ነቲ ድሮ ኣብ ሕሱም ደረጃ ዝርከብ ሰብኣዊ ኵነታት የጋድዶ ከም ዘሎ ኣእውን ኣጠንቂቑ።

    እቲ ውድብ ብሰኑይ ኣብ ዘውጽኦ መግለጺ፡ ሰፋሕቲ ክፋላት ትግራይ ንህይወትን መነባብሮን ኣብ ሓደጋ ዘውድቕ ከቢድ ኵነታት ድርቂ የሕልፋ ከም ዘለዋ ኣመልኪቱ።

    እቲ ንዓመታት ግጭት ዘሕለፈ ክልል፡ ሕጂ ብሰንኪ ዳግማይ ዝተወልዐ ኲናትን ምስ ክሊማ ዝተኣሳሰር ጸገማትን ድርብ ቅልውላው የጋጥሞ ከም ዘሎ እቲ መግለጺ የመልክት።

    ኣብ 2026 ዳግማይ ዝተወልዐ ውግእ ተወሳኺ ቍጠባዊ ዕንወትን ብርሰትን ከም ዘስዓበ ዝጠቐሰ መግለፂ ሳልሳይ ወያነ፡ ብዙሓት ሰባት ድማ ሰብኣዊ ሓገዝ፡ መድሃኒት፡ ነዳድን ካልእ መሰረታዊ ኣገልግሎታትን ንምርካብ ኣብ ጽንኵር ቃልሲ ከም ዘለዉ አፍሊጡ።

    ትግራይ፡ ኵነታት ድርቂ ህጹጽ ግብረመልሲ ረዲኤት ከም ዘደልዮ ጻውዒት ቀሪቡ

    ብመሰረት እቲ መግለጺ፡ ምቍራጽ ሓገዛትን መሰረታዊ ኣገልግሎታት መንግስትን ንብዙሓት ነበርቲ መመሊሱ እናገደደ ናብ ዝኸይድ ዘሎ ከቢድ ኵነታት ሸሚሙዎም ኣሎ።

    ሳልሳይ ወያነ ትግራይ፡ ዓለም ለኸ ትካላት ረዲኤትን ሰፊሕ ማሕበረሰብ ዓለምን፡ ነዚ ኵነታት ዝያዳ ቈላሕታ ክህቡሉን ኣብቲ ክልል ዘሎ ስቓይ ንምቅልላል ህጹጽ ስጕምትታት ክወስዱን ጸዊዑ።

    ኣብ ትግራይ፡ እቲ ዝሓለፈ ናይ ክልተ ዓመት ደማዊ ኲናት፡ ኣብ 2022 ብስምምዕ ሰላም ፕሪቶሪያ ደው ኢሉ ንኣርባዕተ ዓመት እኳ ተዛማዲ ሰላም እንተሰፈነ፡ ትካላት ረዲኤት ግና ብሰንኪ ግጭት፡ ምፍንቓል፡ ህጽረት ውሕስነት ምግቢን ድሩት ተበጻሕነት መሰረታዊ ኣገልግሎታትን፡ ሚልዮናት ሰባት ተቓላዕቲ ኰይኖም ከም ዝጸንሑ ብተደጋጋሚ ከጠንቅቓ ጸኒሐን እየን።

    እቲ ድሮ ጽንኩር ዝነበረ ኵነታት፡ እቲ ብ 23 መስከረም ዳግመ ዝተባርዐ ውግእ፡ ምስ ክሊማ ዝተኣሳሰር ሓደጋታት ተወሲኹዎ፡ ንሰብኣዊ ቅልውላው እታ ክልል ብዝያዳ ከዕምቘ ይኽእል እዩ ዝብል ስግኣታት እናዓበየ ይመጽ ኣሎ።

  11. ምስ ቻይናዊት ሰላይት ጾታዊ ዝምድና ኣለዎ ተባሂሉ ዝኽሰስ ዘሎ ሓላፊ ዓቢ ትካል ተክኖሎጂ

    ጀንሰን ሃውንግ ምስ ኣሊስ ሃውንግ

    ምስ ቻይናዊት ሰላዪት ጾታዊ ዝምድና ኣለዎ ዝተባህለ ዋና ኣካያዲ ዓቢ ትካል ተክኖሎጂ ኒቪድያ ኣብ ወጥሪ ኣትዩ።

    እታ ምስ ጀንሰን ሃውንግ ጥቡቕ ርክብ ዝጸንሓ ሰብ ምስጢራት እቲ ትካል ናብ ቻይና ተሕልፍ ነይራ ክብሉ ሰብመዚ ኣመሪካ ገሊጾም ኣለዉ።

    እታ ኣሊስ ሃውንግ (ዝምድና የብሎምን) ዝተባህለት ሰብ ሓላፊት ናይ ሓደ ኣብ ሲንጋፖር ዝመደበሩ ማእከል ዳታ ዝነበረት'ያ።

    ብመገዲ ምስቲ ሓደ ካብ ዝዓበዩ ትካላት ተክኖሎጂ ዝኾነ ኩባንያ ዝመርሕ ዝነበረ ጀንሰን ሃውንግ ኣቢላ ዝረኸበቶ ሓበሬታ ንቀንዲ ትካላት ስለያ ቻይና ኣመሓላሊፋ ተባሂላ'ያ ትኽሰስ ዘላ።

    እታ ኣበይ ከምዘላ ዘይተፈልጠት ሰብ ዛጊት እንታይ ዓይነት ሓበሬታ ከምዘመሓላለፈት ዛጊት ኣይተነጸረን።

    ትማሊ ሰንበት፡ እቲ ንብዓልቲቤቱን ደቍን ዘለዎ ክቱር ፍቕሪ ክገልጽ ዝስማዕ ዋና ኣካያዲ እሙን ከምዘይነበረ ብምእማን ንዝፈጸሞ በደል ንሰበይቱን ውልዱን ይቕሬታ ሓቲቱ ነይሩ።

    በይዢንግ ግን "መሰረት ኣልቦ" ብምባል ነቲ ክስታት ነጺጋቶ ኣላ።

    ኣፈኛ ሚኒስትሪ ጉዳያት ወጻኢ ጉዎ ጂያኩን ንጋዜጠኛታት ኣብ ዝሃቦ መብርሂ "እቲ ብዛዕባ ቻይናውያን ሰለይቲ ዝብሃል ዘሎ ክስታት ንቻይና ንምኽፋእን ንምጽላምን ዝዓለመ መሰረት ዘይብሉ ክሲ'ዩ" ክብል ነቒፉ።

    ጀንሰን ሃውንግ ዝመርሖ ትካል ኒቪዲያ ኣብዚ እዋን'ዚ ኣስታት 4.5 ትሪልዮን ዶላር ዝትመን ኮይኑ፡ ኣብ ምምዕባል ኪነታዊ-ብልሒ (ኣርቲፊሻል ኢንተሊጀንስ) መሪሕ ተራ ዝጻወት ዘሎ'ዩ።

  12. ስደተኛታት ዝጸዓነት ጃልባ ብምጥሓላ ኣስታት 40 ሰባት ሞይቶም

    ካብ ንእሽቶ ጃልባ ናብ መድሕን ዝኾነት ዓባይ ጃልባ ዝሰግሩ ስደተኛታት ኣብ ባሕሪ

    ናብ ኣውሮጳ ዝተበገሱ ስደተኛታት ዝጸዓነት ጃልባ ብምግልባጣ ብውሐዕዱ 39 ሰባት ሞይቶም።

    ካብታ ኣብ ገማግም ባሕሪ ሰኔጋል ዝጠሓለት ጃልባ ሓደ ሰብ ጥራይ ከምዝደሓነ ሰብመዚ ውሽጣዊ ጉዳያት እታ ሃገር ሓቢሮም ኣለዉ።

    እታ ብዕንጨይቲ ዝተሰርሐት ንእሽቶ ጃልባ ናብ ስጳኛውያን ደሴታት ካናሪ እናምረሐት እንከላ'ዩ እቲ ሓደጋ ኣጋጢሙዋ።

    እቲ መስመር ሓደ ካብቶም ህወይት ብዙሓት ስደተኛታት ዝቐዘፉ ኣንፈታት ምዃኑ ይፍለጥ።

    ካብ ወርሒ ጥሪ ክሳብ ግንቦት 2026 ኣብ ዝነበረ እዋን ጥራይ 635 ሰባት ኣብቲ መስመር ከምዝሞቱ ጸብጻባት የመልክቱ።

    ሰብመዚ ከምዝበልዎ፡ ካብቶም 39 ሬሳታት ናይ 24 ተለልዩ መብዛሕትኡ ንቤተሰብ እቶም ግዳያት ተረኪቡ ኣሎ።

    ኣብ ዝሓለፈ ዓርቢ'ውን ሓንቲ 142 ሰባት ጽዒና ዝነበረት ጃልባ ብሓለዋ ባሕሪ እታ ሃገር ተታሒዛ ነይራ።

    ኣብዚ ወርሒ'ዚ ጥራይ ልዕሊ 3,300 ሰባት ብኣስታት 30 ጃላቡ ናብ ደሴታት ካናሪ ከምዝኣተዉ ይንገር።

  13. ኤርትራ፡ ሓላፊ ቤትጽሕፈት ፓትሪያርክ ኦርቶዶክሳዊት ቤተክርስትያን ኣቡነ ሉቃስ ዓሪፎም

    ናይ ኢድ መስቀል ኣብ ኢዶም ዝሓዙ ልብሲ ጳጳስ ዝተኸደኑ ኣቡነ ሉቃስ

    ኣመሓዳሪ ቤት ጽሕፈት ምምሕዳር መንበረ-ፓትሪያርክ ኦርቶዶክሳዊት ተዋህዶ ቤተክርስትያን ከምዝዓረፉ ሚኒስተር ዜና የማነ ገብረመስቀል ኣፍሊጡ።

    ኣብ መበል 94 ዓመቶም ዝዓረፉ ኣቡነ ሉቃስ፡ ጳጳስ ዞባ ማእከል ዝነበሩ ምዃኖም እቲ ሓበሬታ ይጠቅስ።

    እቶም "ብሕማም" ከምዝዓረፉ ዝነተግረሎም መንፈሳዊ መራሒ ኣባልን ጸሓፊን ሲኖዶስ እታ ቤተክርስትያን ኮይኖም'ውን ዘገልገሉ እዮም።

    "ረቡዕ ኣብ ቅድስቲ ማርያም ቤተክርስትያን ኣስመራንኣቡነ ሉቃስ ስርዓተ ጸሎት ግበረሎም እዩ። ስርዓተ ቀብሪ ኸኣ ሓሙስ 12 ሕዳር ኣብ ገዳም ደብረሊባሰስ ክፍጸም'ዩ" ክብል እቲ ሚኒስተር ብኤክስ ሓቢሩ።

    ሚኒስትሪ ዜና ኣብ ዘውጽኦጸብጻብ ድማ "ዋና ኣመሓዳሪ መንበረ ፓትርያርክ፡ ኣባል ቅዱስ ሲኖዶስ ኦርቶዶክስ ተዋህዶ ቤተ-ክርስትያን ኤርትራን ሊቀ ጳጳስ ሃገረ ስብከት ደቡብ - ዓዲቐይሕ ብጹእ ኣቡነ ሉቃስ፡ ናብ ሎሚ ሰኑይ 9 ሕዳር ኣብ ዘውግሐ ለይቲ፡ ኣብ መበል 94 ዓመት ዕድመኦም ብሕማም ዓሪፎም" ይብል።

    "ሚኒስተራት ዝርከብዎም ላዕለዎት ሰበ-ስልጣን መንግስትን ግንባርን፡ መራሕቲ ሃይማኖት፡ ከምኡ’ውን ኣብ ኤርትራ ዝመደበሮም ዲፕሎማሰኛታት ናይ ሓዘን መግለጺ ክታሞም ንኸንብሩ" ጽባሕ ሰሉስ ኣብ ቀጽሪ ቤትጽሕት ፓትሪያርክ መዝገብ ክኽፈት ምዃኑ'ውን እቲ ጸብጻብ የመልክት።

  14. ካብ ግጭት ሞያሌ ዝሃደሙ ብኣሽሓት ዝቑጸሩ ሰባት ብሕጽረት መግቢ ይሳቐዩ ኣለዉ - ዓለምለኻዊ ትካል ስደተኛታት

    ካብ ሞያሌ ዝሃደሙ ሰባት ኣብ ሜዳ ተኣኪቦም

    ኣብ ከተማ ሞያሌ ካብ ዝተወልዐ ደማዊ ግጭት ሃዲሞም ናብ ሰሜን ኬንያ ዝሰገሩ ብዓሰርተታት ኣሽሓት ዝቑጸሩ ሰባት ብብርቱዕ ሕጽረት መግቢ፡ ጽሩይ ማይን መጽለልን ይሳቐዩ ከምዘለዉ ተገሊጹ።

    ዓለምለኻዊ ትካል ስደተኛታት ሎሚ 9 ሕዳር 2026 ኣብ ዘውጽኦ መግለጺ እዩ ነዚ ዘጠንቅቕ ዘሎ።

    "ዝሃደሙ ስድራቤታት ከቢድ ሕጽረት መግቢ፡ ማይን መጽለልን ከጋጥሞም እንከሎ፡ እቶም ዘአንግድዎም ማሕበረሰባት ድማ ድሮ ውሱን ጸጋታት እዩ ዘለዎም" ይብል ሓላፊ ተልእኾ እቲ ትካል ኣብ ኬንያ ኖማጉጉ ንኩቤ።

    ብዓለምለኻዊ ትካል ስደተኛታት፡ መሻርኽቲ ሕቡራት ሃገራትን ዘይመንግስታውያን ትካላትን ከምኡ’ውን ብመንግስቲ ኬንያን ምምሕዳር ኣውራጃ ማርሳቢትን ዝምራሕ ሓድሽ ገምጋም፡ 71 ሚእታዊት ካብተን ኣብቲ መጽናዕቲ ዝተሳተፋ ስድራቤታት እኹል መግቢ ከምዘይብለን ክሕብራ እንከለዋ፡ 80 ሚእታዊት ድማ ህጹጽ መግቢ ከምዘድልዮም የመልክት።

    ቀዳማይ ጸሓፊ ካቢነ ሚኒስተራት ሙሳልያ ሙዳቫዲ፡ መንግስቲ ኬንያ ብዛዕባ እቶም ካብ ሃገሮም ሃዲሞም ኣብ ጸገም ዝርከቡ ኣሽሓት ሰባት ምስ መንግስቲ ኢትዮጵያ ይዘራረብ ከምዘሎ ማዕከን ዜና ዘ ስታር ጸብጺቡ።

    ሙዳቫዲ፡ ምስ ኢትዮጵያዊ መዘናኡ ከምዝተዘራረበን፡ ወጥሪ ንምህዳእን ናብ ኬንያ ዝሰገሩ ናብ ሃገሮም ምእንቲ ክምለሱን ምርግጋእ ኣብ ምስፋን ክሕግዝ ከምዝሓተተን እውን ገሊጹ ኣሎ።

    ብተወሳኺ መንግስቲ ኢትዮጵያ ኣብ ሞያሌ ዘሎ ኵነታት ናብ ንቡር ንምምላስ ዝከኣሎ ከምዝገብር ከምዘረጋገጸ ጠቒሱ።

    ክልላት ኦሮሚያን ሶማሌን ኣብ ዝዳወቡላ ከተማ ሞያሌ፡ ናይ ክልል ሶማሌ ባንዲራ ኣብ ከተማ ሞያሌ ምስቃሉ ስዒቡ፡ ኣብ ዝሓለፈ ሰንበት 08 ጥቅምቲ ግጭት ከምዝተወልዐን ንልዕሊ ሓደ ሰሙን ቀጺሉ ከምዘሎን ይፍለጥ።

    ብሰንኪ'ቲ ግጭት ኣስታት 50,000 ዝዀኑ ሰባት ተመዛቢሎም ናብ ዶብ ኬንያ ሃዲሞም ከም ዘለዉ ሕቡራት ሃገራት ኣፍሊጡ።

    ዩኤንኤችሲኣር ኬንያ፡ ካብቶም ዶብ ሰጊሮም ናብ ኬንያ ዝሃደሙ ሰባት፡ ገሊኦም ምስ ኣባላት ስድርኦም ወይ ንዕኦም ተቐቢሎም ምስ ዘተኣናግድዎም ማሕበረሰባት እቲ ከባቢ ይቕመጡ ከም ዘለዉን፡ ካልኦት ድማ ግዝያዊ ቦታታት መፅለሊ ከም ዝደልዩን ሓቢሩ።

    ብሰንኪ'ዚ ኣብታ ቀንዲ ኣብ ዶብ እትርከብ ከተማ ዝተፈጥረ ህውከት፡ ኣሽሓት ስድራቤታት ካብ መረበቶም ተመዛቢሎም፡ ኵሉ ንግዳዊ ምንቅስቓሳት ተዓጽዩ፡ ህይወት ነበርቲ ድማ ኣብ ከቢድ ቅልውላው ወዲቑ ይርከብ።

  15. ኣብ ፖላንድ፡ ኣብ ዕዳጋ ሰባት ብምቕታል ዝተጠርጠረ ዕጡቕ ኣብ ሆስፒታል ሞይቱ

    ፖሊስ

    ኣብ ካልኣይቲ ዓባይ ከተማ ፖላንድ፡ ሽዱሽተ ሰባት ቀቲሉ ተባሂሉ ዝተጠርጠረ ዕጡቕ ኣብ ሆስፒታል ሞይቱ።

    ኣብታ ካልኣይቲ ዝዓበየት ከተማ ክራኮቭ: በቲ ዘጋጠመ ፍፃመ ሓደ ፖለቲካዊ ኣኽራሪ ተባሂሉ ዝተጠርጠረ ሰብ ሽዱሽተ ሰባት ክቐትል እንከሎ ካልኦት 16 ድማ ኣቑሲሉ።

    እዚ ወዲ 24 ዓመት ፖላንዳዊ ጥርጡር ብፖሊስ ብጥይት ድሕሪ ምውቃዑ ናብ ሆስፒታል ተወሲዱ ድሒሩ ግን ሞይቱ።

    ሰብመዚ ብዛዕባ ሞት እቲ ሰብኣይ ተወሳኺ ዝርዝር ሓበሬታ ኣይሃቡን፡ እንተኾነ ግን መርመራ ናይቲ ቅትለት ይቕጽል ከምዘሎ ገሊጾም።

    በቲ ተኹሲ ሽዱሽተ ሰባት ክሞቱ እንከለዉ ሓያሎ ድማ ቆሲሎም።

    እቲ መጥቃዕቲ ሰበስልጣን ጠንቂ ናይቲ ፍጻመ ንምፍላጥ ሰፊሕ ናይ ጸጥታ ስርሒት ክጅምሩ ደሪኽዎም ኣሎ።

    ሰብመዚ ፖላንድ ነቲ ፍጻመ ኣብ ዝሓለፈ ዓመታት እቲ ዝኸፍአ ዕጥቃዊ መጥቃዕቲ ክብሉ ገሊጾሞ ኣለዉ።

    መርመርቲ ኣብቲ ገበን ዝተፈጸመሉ ቦታን ምስቲ ጥርጡር ዝተኣሳሰሩ ዝተፈላለዩ ቦታታትን ዝተኣከበ መርትዖታት ምጽራይ ይቕጽሉ ኣለዉ።

    ቤት ጽሕፈት ዓቃቢ ሕጊ፡ እቲ ጥርጡር ንበይኑ ድዩ ወይስ ካልኦት ተሓባበርቲ ነይሮምዎ፡ ከምኡ'ውን ናብቲ መጥቃዕቲ ዝመርሐ ድራኸታት ኣመልኪቱ ይምርምር ኣሎ።

  16. ኣዛዚ ሓይሊ ባሕሪ ኢትዮጵያ፡ ኣፍደገ ቀይሕ ባሕሪ ንምርካብ ሓይሊ ከም ኣማራጺ ኣተንቢሁ

    ምክትል ኣድሚራል ክንዱ ገዙ

    ኣዛዚ ሓይሊ ባሕሪ ኢትዮጵያ፡ እታ ሃገር ልኡላዊ ኣፍደገ ቀይሕ ባሕሪ ዳግማይ ንምርካብ ቈሪጻ ከም ዘላ ብምግላጽ፡ “ዲፕሎማስያዊ ጻዕርታት እንተፈሺሉ ሓይሊ ምጥቃም” ኣማራጺ ኰይኑ ከም ዝቕጽል ኣጠንቂቑ።

    ምኽትል ኣድሚራል ክንዱ ገዙ ነዚ መግለጺ ዝሃበ፡ ብ7 ሕዳር ኣብ ኣዲስ ኣበባ ኣብ ዝተኻየደ ኣኼባ ማሕበር ገዳይም መኮንናት ወተሃደርን ፖሊስን እዩ።

    ንሱ፡ “ሕቶና ንጹር እዩ” ድሕሪ ምባል፤ “ህዝብን መንግስትን ኢትዮጵያ ነቲ ብዘይሕጋዊ መገዲ ዝሰኣንናዮ ወደብ ዳግማይ ንምርካብ፡ ብዲፕሎማስን ብሕጋውነትን ዝከኣሎም ኵሉ ከም ዝገብሩ ንኣምን” ኢሉ።

    ጻዕርታት ኢትዮጵያ ኣፍደገ ባሕሪ ንምርካብን ሓይሊ ባሕራ ዳግማይ ንምህናጽን፡ “ንዝዀነ ኣካል ንምፍርራሕ ወይ ንምውራር” ዝዓለመ ከም ዘይኰነ ብምግላጽ፡ እንተዀነ ዘተ እንተዘይተዓዊቱ እታ ሃገር ካልእ ኣማራጺታት ከም ዘለዋን፡ እቲ ሓደ “ናይ መወዳእታ ኣማራጺ” ኢሉ ዝገለጾ ድማ ሓይሊ ምጥቃም ከም ዘጠቓልልን ወሲኹ ሓቢሩ።

    ንሱ፡ "ዲፕሎማሲ እንተፈሺሉ ክልተ ናይ መወዳእታ ኣማራጺታት እዮም ዘለዉና። እቲ ቀዳማይ ንመሰልና ኣብ ቀይሕባሕሪ ምምላስ ስኢንና ስቕ ኢልና ኮፍ ክንብል፣ በዚ ድማ ብመሬት ተኸቢብካ ምትራፍ - ዋላ’ኳ ካብ ባሕሪ 60 ኪ.ሜትር ጥራይ ርሒቕና እንተሃለና ከም ህዝቢ ብጥሜትን ስእነት ጸጥታን እናተሳቐና ምቕጻል እዩ።

    "ወይ ድማ 'ነዚ ኣማራጺ እዚ ዝቕበል ወለዶ የሎን' እንተደኣ ኢልና፡ በቲ ናይ መወዳእታ ኣማራጺ [ሓይሊ ብምጥቃም] ናብኣደ ሃገሩ [ወደብ ዓሰብ ኤርትራ] ብምምላስ ህዳሰ ኢትዮጵያ ምርግጋጽ ግድን ክኸውን ኣለዎ፡" ክብል ገሊጹ።

    ክንዱ ብተወሳኺ፡ ወደባት ኤርትራ ዝዀና ዓሰብን ምጽዋዕን ብታሪኽ ኣካል ኢትዮጵያ ከም ዝነበራ ብምምጓት፡ እታ ሃገር ካብ ኤርትራ ምፍላያ “ዘይፍትሓውን ዘይሕጋውን ፍትሕ” ምዃኑ ገሊጹ።

    ኢትዮጵያ “ክሳዕ ክንደይ ነዊሕ ግዜ ይውሰድ ወይ ክንደይ መስዋእቲ ይሕተት ብዘየገድስ” ኣፍደገ ባሕሪ ዳግማይ ክትረክብ ኣለዋ ኢሉ።

    እዚ ርእይቶታት፡ ነቲ ኣብ መንጐ ኢትዮጵያን ኤርትራን እናዓረገ ዝኸይድ ዘሎ ወጥሪን ስግኣታትን ብዝያዳ ከዕምቘ ከም ዝኽእል የሰከፍ።

    ሰበ-ስልጣን ኢትዮጵያ፡ እታ ሃገር ልኡላዊ ኣፍደገ ቀይሕ ባሕሪ ከም ዘድልያ ብተደጋጋሚ ክገልጹ ጸኒሖም እዮም።

    እዚ ጉዳይ፡ ኣብ መንጐ እዘን ብሰንኪ ሰፊሕ ዞባዊ ወጥሪ ዝምድናአን እናተበላሸወ ዝመጸ ጐረባብቲ ሃገራት ቀርኒ ኣፍሪቃ ክኽሰት ብዝኽእል ግጭት ስግኣታት ፈጢሩ ኣሎ።

    ኤርትራ፡ ድሕሪ ናይ 30 ዓመታት ሓርነታዊ ቃልሲ ኣብ 1993 ብሕቡራት ሃገራት ዝተደገፈ ረፈረንዱም ስዒቡ ናጽነታ ምስ ረኸበት፡ ኢትዮጵያ ገማግም ባሕራ ስኢና እያ። ካብ ሽዑ ኣትሒዛ፡ እታ ሃገር ኣብ ዓለማዊ ንግዲ ባሕሪ ንምስታፍ ብዓቢኡ ኣብ ጐረቤት ሃገር ጅቡቲ እያ ትምርኰስ ዘላ።

    ተወሳኺ፤

  17. ሑቲ ንፍሉጥ ሰማይ ጠቀስ ህንፃ ኣራምኮ ስዑዲ ዓረብ ሃሪሞም

    ኣራምኮ

    ኣብ ማእከላይ ፋይናንሳዊ ዞባ ከተማ ስዑዲ ዓረብ ዝርከብ ሰማይ ጠቀስ ህንጻ ኣራምኮ፡ ግዳይ መጠቃዕቲ ሑቲ ዀይኑ።

    ሑቲ ዝቆጻጸሩዎ ማዕከን ዜና ሳባ ዘውጽኦ መግለጺ፡ እቲ ጉጅለ ትማሊ ሰንበት ንመደበር ንግዲ ሪያድ ዒላማ ከምዝገበረን፡ ንህንፃ ኣራምኮ ብስሙ ከይጠቐሰ፡ መጥቃዕቲ ከምዝፈነወን ኣረጋጊፁ።

    ሚኒስትሪ ኢነርጂ ስዑዲ ዓረብ፡ እቲ ገዚፍ ህንፃ "ንእሽቶ ጉድኣት" ጥራይ ከምዝበጽሖን ዝሞተ ወይ ዝቖሰለ ሰብ ከምዘየለን ገሊጹ።

    ቢቢሲ ቨሪፋይ ዘረጋገፆ ተንቀሳቓሲ ምስሊ፡ ኣብቲ ህንጻ ዝያዳ ሰፊሕ ዕንወት ከምዘጋጠመ ዘርኢ ኮይኑ፡ እንተወሓደ ሓደ ደርቢ ብመጥቃዕቲ ሚሳይል ወይ ሰብ ኣልቦ ነፋሪት ብሕማቕ ዝተሃርመ ይመስል።

    በቲ መጥቃዕቲ ዝተሰባበሩ መስኮታት ድማ ይረአዩ።

    ሑቲ ብተወሳኺ ንመዓርፎ ነፈርቲ ሪያድን መኽዘን ነዳዲ ኣራምኮን'ውን ዒላማ ከምዝገበረ ገሊፆም።

    ስዑዲ ዓረብ፡ መከላኸሊ ኣየር ንሓያሎ ሚሳይላት ዓጊቱ ከምዘዕነወት ትገልፅ።

    ብሑቲ ዝመሓደር ቻነል ተለቪዥን ኣል ማሲራ ዝተፈነወ ተንቀሳቓሲ ምስሊ፡ ኣብ ምብራቕ ርእሰ ከተማ ሰንዓ እትርከብ ከተማ ኣል-ሸሪያ፡ ህፁፅ ረድኤት ዝህቡ ሰባት ካብ ፍርስራስ ሓያሎ ህንጻታት ሬሳታት ክስሕቡ የርኢ።

    እዚ ኣብ የመን ዝመደበሩ ዕጡቕ ጉጅለ ሑቲ፡ ኣብ ውሽጢ ስዑዲ ዓረብ ዒላማታት ፈልዩ ይሃርም ኣሎ።

    እዚ ዝኸውን ዘሎ፡ ዕጡቓት ሑቲ፡ ስዑዲ ዓረብ፡ ኣብ ልዕሊ የመን ኣብ ዘካየደቶ መጥቃዕቲ ኣየር፡ ብውሕዱ 33 ሰባት ከምዝቐተሉ ድሕሪ ምኽሳሶም፡ ድሕሪ ሒደድ መዓልታት እዩ።

  18. ሶርያ ናብ ስዑዲ ዓረብ ሰራዊት ንምልኣኽ ትዳሎ ኣላ

    ሶርያን ስዑዲ ዓረብን

    ሶርያ ናብ ስዑዲ ዓረብ ሰራዊት ብምልኣኽ እታ ሃገር ኣንጻር ዕጡቓት ሑቲ እትገብሮ ቃልሲ ክትድግፍ ከምዝተስማመዐት ሰለስተ ነቲ መደብ ዝፈልጡ ሰበስልጣን ን ዘ ኣሶሴይትድ ፕረስ ሓቢሮም።

    ማዕከንዜና ፈረንሳ ኤጀንስ ፍራንስ-ፕረስ፡ ድሮ ወተሃደራዊ ኣማኸርቲ ሶርያ ናብ ስዑዲ ዓረብ ከምዝኣተዉ፡ ንሓደ ዞባዊ በዓል ስልጣንን ክልተ ሰበስልጣን ሶርያን ብምጥቃስ ሓቢሩ።

    እቶምስሞም ክግለጽ ዘይደለዩ ሰበስልጣን፣ ናብ የመን ዝተላእከ ናይ ውግእ ሰራዊት ከምዘየለ ገሊጾም።

    ሰበስልጣንስዑዲ ዓረብ ድማ ብዛዕባ’ዚ ጉዳይ ርእይቶ ክህቡ ኣይደለዩን።

    ኣብየመን ኣብ መንጎ ዕጡቓት ሑቲንብስዑዲ ዓረብ ዝድገፉ ሓይልታት መንግስትን ዝካየድ ዘሎ ውግእ በርቲዑ ቀፂሉ ኣሎ።

    ሑቲኣብ ውሽጢ ስዑዲ ዓረብ ቀጥታዊ መጥቃዕቲ እውን ከምዘካየዱ ይግለጽ።

    ኣመሪካንእስራኤልን፡ ኣብዝሓለፈ ዓመት ለካቲት ኣብ ልዕሊ ኢራን መጥቃዕቲ ነፈርቲ ድሕሪ ምክያደን እቲ ኣብ መንጎ ስዑዲ ዓረብን ዕጡቓት ሑቲንዝነበረ ግጭት ዝያዳ ተጋዲዱ ይርከብ።

    ንነዊሕእዋን ኲናት ሓድሕድ ክትሕመስ ዝፀንሐት ሶርያ፡ ነቲኣብቲ ዞባ ዝካየድ ዘሎ ግጭት ናይ ርሑቕ ተዓዛቢት ኮይና ጸኒሓ እያ።

    ስዑዲዓረብ፡ ዘመናዊነፈርቲ ውግእን ብኣመሪካ ዝቐርብ ናይ ሚሳይል መከላኸሊ ስርዓትን እኳ እንተዓጠቐት ንሑቲ ክትስዕሮም ኣይከኣለትን።

    ብዙሓት መሓዙት ሃገራት ስዑዲ ዓረብ ናብ ሑቲ ናይ ምድራዊ ሰራዊት ንምልኣኽ ፍቓደኛታት ኣይኰኑን።

    ስዑዲ ዓረብ ኣብ እዋን ኲናት ሓድሕድ ሶርያ ንዝተፈላለዩ ተቓወምቲ ጉጅለታት ብገንዘብ እትድግፍ ዝነበረት ኮይና፡ ሕዚ ድማ ኣብ ዳግመ ህንጸት እታ ሃገር ገንዘባዊ ደገፍ ንመግባር ቃል ከምዝኣተወት ይግለጽ።

    ሓደ በዓል ስልጣን ሶርያ ኣብ ዝሃቦ መግለጺ፡ ቀዳመይቲ ጕጅለ ኣስታት 600 ዝኾኑ ተዋጋእቲ ፍሉይ ሓይሊ ሶርያ ኣብ ዝመጽእ ሰሙን ናብ ስዑዲ ዓረብ ክኣትዉ ትጽቢት ይግበር።

    እቶም ናብ ስዑዲ ዓረብ ዝለኣኹ ተጋደልቲ ዜጋታት ሶርያ ጥራይ ከምዝኾኑ እቲ በዓል ስልጣን ወሲኹ ሓቢሩ።

    ብተወሳኺ ኣብ ቀረባ እዋን ብኣዛዚ ብርጌድ 82 ካሊድ ካታብ ዝምራሕ ልኡኽ ሶርያ ኣብ ስዑዲ ዓረብ ናይ ክልተ ሰሙን ዑደት ምክያዱ ፀብፃባት ይሕብሩ።

    ካልኦት ምድላዋትና እትከታተሉሎም ኣማራፅታት

  19. ኤርትራ፡ ዛንታ እተን ማሕበራዊ ዕንቅፋታት ሰጊረን ኣሰር ዘንበራ ካብ ፈላሞት ኣደታት

    ጸሃይቱ ንኣምን

    ታሪኽ መብዛሕትኡ እዋን ኣብ ገድልን ውዕሎን ደቂ-ተባዕትዮ ጥራይ ብምትኳር፡ ንተራን ኣበርክቶንደቀንስትዮ ሸለል ክብሎ ይርአ እዩ።

    ኤርትራውያን ብዛዕባ ታሪኾም ክዝክሩ ከለዉ፡ እቶም ብብዝሒ ዝዝከሩ ዛንታታትናይቶም ኣብ ህዝባዊ ህይወት ዝነበሩ ፖለቲካውያንመራሕቲ፡ ሃይማኖታውያን ሰባትን ደቂ-ተባዕትዮን እዮም።

    እንተዀነ፡ ኣብ ውሽጢ ኣርካይቫት ምስዮን፡ ሰነዳት ኣብያተ-ክርስትያንን ብሕታዊ ተዘክሮታትን ፋሕ ኢሎም ዝርከቡ፡ እጃመን ንማሕበረሰበንኣብ ምቕራጽን ንመጻኢ ወለዶታት ዕድላት ኣብ ምስፋሕን ዓቢ ኣበርክቶዝነበረን ዛንታታት ደቂ-ኣንስትዮ ኣሎ።

    ካብ መንጎአን ድማ፡ ሓንቲ ካብተን ቀዳሞት መሃርቲ ኤርትራ ዝነበረትጸሃይቱ ንኣምን፡ ከምኡ'ውን ትምህርትን እምነትንንምርካብ ዝገበረቶ ጻዕሪ ነቲ ናይቲ እዋን'ቲ ማሕበራዊ ትጽቢታትዝፈታተነ መድህን ሕመድ ይርከባአን።

    ካልኦት ትሕዝቶታት

  20. ሰላም ከመይ ሓዲርኩም!

    ኣብ ኢትዮጵያን ኤርትራን ከምኡ'ውን ኣብ ዝተፈላለያ ሃገራት ዓለም ኮይንኩም ቢቢሲ ትግርኛ ስለትከታተሉ ነመስግን።

    ኣብዚ ቀጥታዊ ፈነወና ሓደሽቲ ምዕባለታት ተኸታቲልና ክነቕርበልኩም ኢና።

    ካልኦት ምድላዋትና እትከታተሉሎም ኣማራፅታት