
ምንጪ ስእሊ, Reuters
ኣብ ኬንያ ን190 ቈልዑን ሓደ ዓቢ ሰብን ብምቕታል ዝተኸሰሰ መራሒ ናይ ሓደ ኣምልኾ ጕጅለ ዝዀነ ፖል ማኬንዚ፡ ናይ 200 ዓመት ጽኑዕ ማእሰርቲ ተፈሪድዎ።
ማኬንዚን ኣብቲ መዝገብ ዝተኻተቱ ካልኦት 27 ተኸሰስትን፡ ኣባላት እቲ ናይ ኣምልኾ ጕጅለ ደቆም “ምስ የሱስ ንኽራኸቡ” ብምባል ብጥሜት ንኽቐትልዎም ትእዛዝ ብምሃብ ገበን በደለኛታት ተባሂሎም ኣለዉ።
ህይወት 190 ቈልዑ ዝቐዘፈ እዚ ፍጻመ፡ ኣብ ኬንያ ካብ ዝተራእዩ ኣዝዮም ዘሰቅቑ ተግባራት ሃይማኖታዊ ጥሩፍነት ሓደ ኰይኑ ተወሲዱ ኣሎ።
ነቲ መዝገብ ዝተመልከተት ዳኛ ዲያና ሞቻቼ፡ እቶም ሰዓብቲ ክሳዕ ዝሞቱ ክጾሙ ብምእዛዝ፡ እቲ “ቀንዲ ገበናዊ ተሓታትነት” ኣብ ልዕሊ ማኬንዚ ከም ዝዓርፍ ገሊጻ።
እታ ዳኛ ወሲኻ፡ “እዚ ዓይነት ጭካነታት ብሕጊ ዝተደንገገ ዝለዓለ መቕጻዕቲ ከም ዘስዕብ ንጹር መልእኽቲ ንምትሕልላፍ ስለ ዘኽእል፡ እዚ ዝተወሰደ ናይ መቕጻዕቲ ስጕምቲ ቅኑዕን ፍትሓውን እዩ” ኢላ።
ርእሱ ፓስተር ኢሉ ዝጽውዕ እዚ ውልቀሰብ ኣብ ትሕቲ ቍጽጽር ዝወዓለ፡ ኣብ 2023 ኣብ ሓደ ጫካ ኣብ ዝተዅዓተ ዘይዓሚቝ ጕድጓድ ልዕሊ 400 ሬሳታት ድሕሪ ምምርካቡ ነይሩ።
ኣብ ጥቓ ገማግም ባሕሪ ኬንያ ኣብ ዝርከብ ጫካ ሻካሆላ ክንድዚ ዝኣክል ቍጽሪ ዘለዎም ሬሳታት ምርካቦም ንኬንያውያን ዘሰንበደ ኰይኑ፡ ዓለምለኻዊ ኣቓልቦ እውን ስሒቡ ነይሩ።
ኣብ ቤት ፍርዲ ሞምባሳ ዝቐረበ ክሲ ዝመስረቱ ዓቃብቲ ሕጊ፡ ክብደት እቲ ገበን ኣብ ግምት ብምእታው ኣብ ልዕሊ ማኬንዚ ናይ ሞት ፍርዲ ክውሰን ተኸራኺሮም ነይሮም።
ብተወሳኺ፡ ማኬንዚ ንዝፈጸሞም ገበናት ዝዀነ ዓይነት ናይ ጣዕሳ ስምዒት ከም ዘየርኣየ ጠቒሶም። ይዅን’ምበር፡ ካብ 1987 ንደሓር ኣብ ኬንያ ናይ ሞት መቕጻዕቲ ተፈጻሚ ኰይኑ ኣይፈልጥን።
እቶም ዓቃብቲ ሕጊ ኣብ ልዕሊ እቶም ካልኦት ተኸሰስቲ ድማ ናይ ምሉእ ዕድመ ማእሰርቲ ክውሰነሎም ሓቲቶም ነይሮም።
ማኬንዚን ምስኡ ዝቐረቡ ተኸሰስትን ግን እቲ ቤት ፍርዲ ምሕረትን መቕጻዕቲ ምቕላልን ክገብረሎም ሓቲቶም ነይሮም እዮም።
ቅድሚ ሰለስተ ሳምንቲ ኣቢሉ ነቲ በደል ከም ዝፈጸሙዎ ውሳነ ቅድሚ ምሕላፉ፡ ኵሎም እቶም ተኸሰስቲ በደለኛታት ከም ዘይኰኑ ብምግላጽ ተኸራኺሮም ዝነበሩ ኰይኖም፡ ዝዀነ ሰብ ክመውት ከም ዘይተገደደ ተዛሪቦም።
ዳኛ ዲያና ሞቻቼ፡ ሰዓብቲ ማኬንዚ ንዓኡ “ልሳን የሱስ” ገይሮም ይኣምንዎ ከም ዝነበሩ ኣብቲ እዋን ገሊጻ። ንትምህርቲ ማኬንዚ ዝተቓወሙ ሰባት ድማ ተቐጥቂጦም ክሞቱ ይግበር ነይሩ።
እቲ ናይ ኣምልኾ ጕጅለ ይንቀሳቐሰሉ ኣብ ዝነበረ ጫካ ዝካየዱ ዝነበሩ ናይ ቀብሪ ስነ-ስርዓታት “መርዓ” ተባሂሎም ይጽውዑ ከም ዝነበሩን እቶም ዝሞቱ ድማ “ምስ የሱስ ከም እተመርዓዉ ተገይሮም፡” ይቝጸሩ ከም ዝነበሩን እታ ዳኛ ኣረዲኣ።
ውጽኢት ድሕረ-ሞት መርመራ ከም ዘመልክቶ፡ ጠንቂ ሞት መብዛሕትኦም ግዳያት ጥሜት እዩ። ካልኦት ድማ ብሰንኪ ምስኣን ኣየር ምዕባስ፡ ምሕናቕ ወይ ኣብ ርእሶም ብዝበጽሐ ከቢድ ማህረምቲ ህይወቶም ሓሊፉ።