ሑቲ ብስዑዲ ብዝተፈጸመ መጥቃዕቲ ብውሕዱ 33 ሰባት ከምዝሞቱ ገሊጹ

Published
ንባብ: 2 ደቓይቕ

ስዑዲ ዓረብ ብዘካይደቶ መጥቃዕቲ ነፈርቲ፡ ደቂ ኣንስትዮን ህጻናትን ዝርከብዎም ብውሕዱ 33 ሰባት ከምዝተቐትሉ ምስ ምንቅስቓስ ሑቲ ዝተኣሳሰሩ ማዕከናት ዜና ሓቢሮም።

ነቲ ኣብ የመን ብዓለም ደረጃ ተፈላጥነት ዘለዎ መንግስቲ ዝድግፍ ብስዑዲ ዓረብ ዝምራሕ ጥምረት ግን ርእይቶ ኣይሃበን።

ኣብ ኣል-ማሲራ ብሑቲ ዝመሓደር መደበር ተለቪዥን ዘሕለፎ ቀጥታዊ ቪድዮ፡ ኣብ ምብራቕ ርእሰከተማ ሰንዓ እትርከብ ከተማ ኣል-ሸሪያ፡ ሰራሕተኛታት ምድሓን ህይወት ካብ ፍርስራስ ሓያሎ ህንጻታት ሬሳታት ክስሕቡ ከለዉ የርኢ።

ሬሳታት ንኣሽቱ ህጻናት ኣብ መንጎ እቶም ካብቲ ዑናታት ዝወጹ እውን ይርአ።

እቲ መደበር ተለቪዥን ብርክት ዝበሉ ዝተጎድኡ ሰባት ተሰኪሞም ናብ ሆስፒታል ክውሰዱ እውን ኣርእዩ እዩ።

ብሑቲ ዝመሓደር ማዕከን ዜና ሳባ፡ እቲ መጥቃዕቲ ትማሊ ቀዳም ብስዑዲ ዓረብ ከምዝፈጸመ ሓቢሩ። ወሲኹ ድማ 39 ሰባት ከምዝቖሰሉ ኣመልኪቱ።

ስዑዲ ነቲ ብዓለም ደረጃ ተፈላጥነት ዘለዎ መንግስቲ የመን ዝድግፍ ንልዕሊ ዓሰርተ ዓመት ምስ ሑቲ ክቃለስ ዝጸንሐ ጥምረት መሪሓ እያ።

እቲ ኣብ የመን ዝተኻየደ ኲናት ንሓያሎ ዓመታት ዘይንጡፍ እኳ እንተነበረ፡ ብሰንኪ ኲናት ኢራን ግን ዳግማይ ተወሊዑ ይርከብ።

ስዑዲ ዓረብ ኣብቲ ሑቲ ዝቆጻጸርዎ ኣብ ሰንዓ ዝርከብ መዓርፎ ነፈርቲ ኢራን ነፋሪት ኣብኡ ከይትዓልብ ብዝብል መጥቃዕቲ ድሕሪ ምፍጽማ፡ እቲ ተጀሚሩ ዝነበረ ስምምዕ ዕርቂ ክዝረግ ጀሚሩ።

ብድሕሪኡ እቶም ብቴህራን ዝድገፉ ሑቲ ኣብ ስዑዲ ዓረብ ንዝርከብ መዓርፎ ነፈርቲ ኣብሃ ዒላማ ብምግባር፡ ድሕሪኡ ነተን ኣብ ገማግም ባሕሪ የመን ንቀይሕ ባሕሪ ከም ኣማራጺ መስመር ሰደድ ነዳዲ ናብ መጻብቦ ሆርሙዝ ክጥቀማሉ ዝጸንሓ መራኽብ ስዑዲ ዓረብ ክሃርሙ ጀሚሮም።

ካብ ሽዑ ጀሚሩ ኣብ የመን ኣብ መንጎ ሑቲን ብስዑዲ ዓረብ ንዝድገፍ መንግስቲ የመን ዝዋግኡ ሓይልታትን ዓቢ ውግእ ዳግማይ ተወሊዑ ይርከብ።

ብዓርቢ ኣብ ልዕሊ'ዛ ኣብ ቀረባ እዋን ትኸዑረት ስሒባ እትርከባ ግዝኣት ታይዝ ኣብ ዝርከብ ዕዳጋ፡ ብዝተፈጸመ መጥቃዕቲ 30 ሰባት ከምዝቐተሉ ይግለጽ።

ሑቲ፡ እቲ መጥቃዕቲ ብስዑዲ ከምዝተፈጸመ ክኸሱ እንከለዉ፡ ሓይልታት መንግስቲ ድማ ሑቲ ናብቲ ቦታ ሚሳይል ከምዝተኮሱ ይወቕሱ።

ኣብ ቀረባ ግጭታት ካብ ዝጅምር ንደሓር፡ ልዕሊ 1600 ሰባት ክሞቱ እንከለዉ ልዕሊ 300 ሽሕ ድማ ከምዝተመዛበሉ ሕቡራት ሃገራት ይሕብር።

ስዑዲ ኣብ መደበራት ሑቲ ብቐጻሊ ቦምባታት ክትድርብይ እንከላ፡ እቲ ጉጅለ ኣብ ውሽጢ ስዑዲ ዓረብ ኣብ ዝርከቡ ዒላማታት፡ ማለት ኣብ መዓርፎ ነፈርትን መሳለጥያታት ነዳዲን ዝተፈላለዩ ሚሳይላት ከምዝተኮሰ ይፍለጥ።

ቅድሚ እቲ ንኣልሸሪያ ዝሃረመ መጥቃዕቲ ሒደት ሰዓታት፡ እቲ ብስዑዲ ዓረብ ዝምራሕ ጥምረት፡ ናብ ሪያድ ገጹ ዝኸይድ ዝነበረ ሚሳይል ከምዝዓገቶ ገሊጹ።

ማህዲ ኣልማሻት ዝተባህለ መራሒ ሑቲ፡ እቲ ጉጅለ እቲ ኣብ የመን ዝተፈጸመ ዳሕረዋይ መጥቃዕቲ ስዒቡ ሕነ ክፈዲ ምዃኑ ተሓንዩ ኣሎ።