ኢትዮጵያውያን ዝርከብዎም ምእመናን እገዳ ፖሊስ ዕሽሽ ኢሎም 'ስርዓተ ቅዱስ ሓዊ' ኣብዒሎም

ኢትዮጵያውያን ኦርቶዶክሳውያን ክርስትያን ነገድቲ ኣብቲ ስነስርዓት
መግለጺ ስእሊ, ኢትዮጵያውያን ኦርቶዶክሳውያን ክርስትያን ነገድቲ ኣብቲ ስነስርዓት
Published

ኣብ እየሩሳሌም፡ ፖሊስ እስራኤል እገዳታት'ኳ እንተነበረ፡ ዝሓለፈ ቀዳም ድሮ በዓለ ትንሳኤ ግን ብኣሽሓት ዝቝጸሩ ኦርቶዶክሳዊ ክርስትያናት ተኣኪቦም ስርዓተ ቅዱስ ሓዊ (Holy Fire) ኣኽቢሮም።

ኣብታ ዝተጐበጠት ምብራቕ እየሩሳሌም እትርከብ ቤተ ክርስቲያን ቅዱስ ሰፑልከር፡ ኣብቲ እየሱስ ተሰቒሉ ከም ዝተቐብረሉ ዝኣምኑሉ ቦታ ከም ዝተሰርሐ ይኣምኑ።

ፖሊስ እስራኤል ኣብቲ ከባቢ ጸጥታ ብምሕያል፡ ንውሕስነት ምኽንያት ብምግባር ኣብ ውሽጢ እታ ቤተ ክርስቲያን 1800 ሰባት ኣብ ደገ ድማ 1200 ሰባት ጥራይ ክሳተፉ ደረት ኣቐሚጡ ነይሩ።

እንተዀነ ብኣሽሓት ዝቝጸሩ ኦርቶዶክሳውያን ኣብቲ ስነ-ስርዓት ተሳቲፎም እዮም።

መራሕቲ ቤተ ክርስቲያን፡ ምእመናን ነቲ ገደብ ዕሽሽ ክብሉ ብምምሕጻን ኣብቲ መደብ ህላወ ፖሊስ ነቒፎም።

እቲ ስርዓት ንዘመናት ንጸንሐ ተምሳሌት ትንሳኤ የሱስ ክኸውን ከሎ፡ ብተለምዶ ኣብ ክርስትና ኣብቲ ኣዝዩ ቅዱስ ቦታ ብዙሕ ህዝቢ ኣብ ዝተረኸበሉ’ዩ ዝፍጸም። ካብ መላእ ዓለም ዝመጹ ክርስትያን ነገድቲ ኣብዚ ስነ-ስርዓት ከም ዝሳተፉ ይፍለጥ።

ስርዓት ቅዱስ ሓዊ ኣብ ቤተ ክርስቲያን ቅዱስ ሰፑልከር ይካየድ
መግለጺ ስእሊ, ስርዓት ቅዱስ ሓዊ ኣብ ቤተ ክርስቲያን ቅዱስ ሰፑልከር ይካየድ
ኣብቲ ስነ-ስርዓት ካብ መላእ ዓለም ዝመጹ ክርስትያን ነገድቲ ተረኺቦም
መግለጺ ስእሊ, ኣብቲ ስነ-ስርዓት ካብ መላእ ዓለም ዝመጹ ክርስትያን ነገድቲ ተረኺቦም

ድሕሪ ናይ ሰዓታት ትጽቢት ብቐዳም፡ ፓትርያርክ ኦርቶዶክሳዊት ግሪኽ ካብቲ ዝተዓሸገ ባዶ መቓብር ብዝተወልዐ ሽምዓ ተሰንዮም ወጺኦም።

እዚ ተግባር፡ ቅድሚ ሰንበት ኦርቶዶክሳዊ ፋሲካ ዝፍጸም ኰይኑ፡ ከም ዓመታዊ ተኣምር ዝቝጸር እዩ።

እቲ ሓዊ፡ ኣብ መንጐ እቶም ኣብ ከባቢ እታ ቤተ ክርስትያንን ዝጽበዩ ሰባት ካብ ሰብ ናብ ሰብ ይመሓላለፍ።

ኦርቶዶክሳውያን ክርስትያን ኣብ እዋን ስርዓት ቅዱስ ሓዊ ጧፍን ሽምዓን ይውልዑ
መግለጺ ስእሊ, ኦርቶዶክሳውያን ክርስትያን ኣብ እዋን ስርዓት ቅዱስ ሓዊ ጥዋፍን ሽምዓን ይውልዑ

ኣብ ዝሓለፉ ዓመታት ክሳብ 10 ሽሕ ኣመንቲ ኣብ ውሽጢ እታ ቤተ ክርስትያን ይእከቡ ነይሮም፤ ብዙሓት ካልኦት ድማ ኣብ ከባቢኡ ኣብ ዝርከቡ ጐደናታት ይእከቡ።

ንኻልኣይ ተኸታታሊ ዓመት ግን፡ መራሕቲ ቤተክርስትያን ብሰንኪ ስክፍታታት ድሕነት ቍጽሪ ተሳተፍቲ ኣዝዩ ከም ዝድረት ተነጊርዎም።

"ምስ መሃንድሳት'ውን ተዘራሪብና ኢና፡ ኣብ ውሽጢ ቤተክርስትያን ዝፍቀድ ቁጽሪ ህዝቢ ደረት ከም ዘድልዮ ገሊጾምልና፤ ብመሰረት እዚ ድማ ቍጽሪ ተሳተፍቲ ንድርቶ ኣለና" ክብል ወሃቢ ቃል ፖሊስ ማስተር ሳጅን ዲን ኤልስዱን ኣቐዲሙ ገሊጹ።

ኣብያተ ክርስቲያናት ግን፡ ገደብ ኣድላዪ’ዩ ዝብል ሓሳብ ይነጽጋኦ።

ብዙሓት ካልኦት ድማ ኣብ ከባቢኡ ኣብ ዝርከቡ ጎደናታት ተኣኪቦም
መግለጺ ስእሊ, ብዙሓት ካልኦት ድማ ኣብ ከባቢኡ ኣብ ዝርከቡ ጎደናታት ተኣኪቦም

ፖሊስ እስራኤል ትማሊ ቀዳም እውን ኣብ ኣፍደገን ኣብ ስግር እታ ብመንደቕ ዝተኸበበት እየሩሳሌምን ነቝጣታት ድሕሪ ምቛሞም፡ ብኣሽሓት ዝቝጸሩ ሰባት ናብታ ቤተክርስትያን ክሓልፉ ከም ዘይከኣሉ ይግለጽ።

እተን ኣብያተ ክርስትያናት፡ እዚ እገዳታት ኣካል ናይቲ ንነዊሕ እዋን ንማሕበረሰብ ክርስትያን እቲ ከባቢ ደፊእካ ንምውጻእ ዝግበር ዘሎ ጻዕሪ ምዃኑ ይገልጻ።

ኣብ ዝሓለፉ ኣዋርሕ ኣብ ዝተጐበጠ ምብራቕ እታ ከተማ፡ ክርስትያናት ውሽጢ ዓዲ ዝያዳ ምግፋዕን ዓመጽን ከም ዘጋጠሞምን፡ ኣኽረርቲ ብልዕልና ሕሉፋት የማናውያን ተተባቢዖም ከም ዘለዉን ይገልጹ።