ቢቢሲ ንዝቐረበሉ ናይ 10 ቢልዮን ዶላር ክሲ ስድራ ትራምፕ ምስክር ኮይኖም ክቐርቡ ሓቲቱ

 ካብ ጸጋም ናብ የማን ኢሪክ ትራምፕ፡ ጃረድ ኩሸንረ፡ ኢቫንካ ትራምፕን ዶናልድ ትራምፕ ጁንየርን ኣብ 20 ጥሪ 2025 ኣብቲ ዶናልድ ትራምፕ መበል 47 ፕረዚደንት ኣመሪካ ኮይኑ ቃለ መሓላ ዝፈጸመሉ ብሓባር ኮይኖም እናኣጣቕዑ

ምንጪ ስእሊ, AFP via Getty Images

Published
ንባብ: 3 ደቓይቕ

ቢቢሲ ነቲ ካብ ዶናልድ ትራምፕ ናይ 10 ቢልዮን ዶላር ዝቐረበሉ ክሲ፡ ስድራ ትራምፕ ከም ምስክር ኰይኖም ናብ ቤት ፍርዲ ክቐርቡ ሓቲቱ።

ወከልቲ ሕጋዊ ጉጅለ ቢቢሲ ኣብ ወርሒ ግንቦት ንወዲ እቲ ፕረዚደንት ዶናልድ ትራምፕ ጁንየር፡ ንጓሉ ኢቫንካ ትራምፕን ወዲ ሓሙኡ ጃረድ ኩሽነርን ናይ ቤት ፍርዲ ቀሪቦም ክምስክሩ ጻውዒት ከቕርብሎም ፈቲኖም ምንባሮም መዛግብቲ እቲ ቤት ፍርዲ የመልክት።

እቲ ፕረዚደንት፡ ቅድሚ እቲ ኣብ 2021 ኣብ ካፒቶል ዘጋጠመ ናዕቢ፡ ክልተ ዝተፈላለዩ ክፋላት ናይቲ ኣብ ካፒቶል ዝሃቦ መደረ ብሓባር ኣላጊቡ ንዘዳለወ ቢቢሲ ፓናሮማ'ዩ ክሲ ኣቕሪብሉ።

ትራምፕ፡ እቲ ካብ በበይኑ ዘረባ ዝተለጋገበ ዘረባ፡ ንመንፈስ ናይቲ ሽዕኡ ዝነበረ መደረ ዘይውክልን ካልእ መልእኽቲ ዘሕልፍን'ዩ ብምባል'ዩ ናይ 10 ቢልዮን ዶላር ካብ ቢቢሲ ካሕሳ ክውሃቦ ከሲሱ ዘሎ።

ቢቢሲ ቅድሚ ሕጂ በቲ ኣርትዖት ይቕሬታ ሓቲቱ እኳ እንተነበረ፡ ነቲ ካብ ትራምፕ ዝቐረበሉ ናይ ጸለመ ክሲ ግን ነጺግዎ'ዩ።

ወሃቢ ቃል ሕጋዊ ጉጅለ ትራምፕ ንቢቢሲ ኣብ ዝሃቦ መግለጺ፡ ቢቢሲ ነቲ ፕረዚደንት "ኮነ ኢሉ ስሙ ከም ዘጸለመ"ን፡ ስድራ ትራመፕ ከም ምስክር ኮይኖም ናብ ቤት ፍርዲ ክቐርቡ ጉጅለ ጠበቃታት ወከልቲ ቢቢሲ ዘቕርብዎ ዘለዉ ሕቶ "ዘይግቡእ መስርሕ ብምጥቓም ንዕኡን ስድርኡን ደገፍቱን ከሸግርዎም ይደልዩ ኣለዉ" ኢሉ።

"ቢቢሲ ካብቲ ናይ ገዛእ ርእሱ ርኡይ ተሓታትነት ንምርሓቕ ጥራይ እዩ ዝጽዕር ዘሎ" ይብል እቲ መግለጺ።

ጠበቓታት ቢቢሲ ኣብቲ ዳሕረዋይ ሰነድ፡ ኣባላት ስድራቤት ትራምፕ ነቲ መደረ ከስምዕ ዝነበሮ ዕላማ "ውልቃዊ ኣፍልጦ" ከም ዝነበሮምን፡ ምስክርነቶምን ሰነዳቶምን ምስቲ ፕረዚደንት ዘቕረቦ ናይ ጸለመ ክሲ ተዛማዲ ከም ዝገበሩ ይምጉቱ።

መወዓውዒ ስገሮ፣ ንባብካ ቀጽል
ዋትስኣፕ ቻነል ቢቢሲ ትግርኛ

ዜና፡ ትንታነን ታሪኻትን ብቐጥታ ኣብ ዋትስኣፕ ንምርካብ

ነዚ መላግቦ ብምጥዋቕ ኣባል ቻነልና ኵኑ!

መዛዘሚ መወዓውዒ ዋትስኣፕ ቻነል

እቲ ቅድሚ ሕጂ ብኮሚተ ኮንግረስ ኣመሪካ ካብ ዝተኣከበ መርትዖታት ብምውሳድ፡ እቲ ፋይል፡ ዶናልድ ትራምፕ ጁንየርን ኢቫንካ ትራምፕን ኣቦኦም መደረኡ ብጽሑፍ እናኣመሓየሾ እንከሎ ኣብቲ ቦታ ከምዝነበሩ ዝገልጽ ኮይኑ፡ ጃረድ ኩሽነር ንኣጠቓቕማ ዓመጽ ዝኹንን ሓሳብ ዝቐረበሉ መግለጺ ከምዝነደፈሉ ይገልጽ።

እቲ ፋይል፡ እቲ ቤት ፍርዲ፡ እቶም ጻውዒታት ብኢመይልን ብዝተረጋገጸ ፖስታን ክቐርቡ ክፈቅድ ዝሓትት ኮይኑ፡ ብኢድ ንምቕራቡ ዝተገብረ ፈተነታት ከምዘይተዓወተ ይገልጽ።

መጸዋዕታ ቤት ፍርዲ ማለት ሓደ ሰብ ብማሕላ ንዝቐርብ ሕቶታት ክምልስ ወይ መርትዖ ከቕርብ ዝወሃቦ ትእዛዝ እዩ። ነዚ ጻውዒት እዚ ዘይምኽባር ከኣ ብሕጊ ዘቕጽዕ'ዩ።

ብመሰረት ጥርዓን ቤት ፍርዲ፡ ኣብ ሓደ ኣጋጣሚ፡ ወኪል ጉጅለ ሕጊ ቢቢሲ፡ ኣብ ፍሎሪዳ ኣብ ዝርከብ ገዛኦም ንኢቫንካ ትራምፕን ጃረድ ኩሽነርን ናይ ቤት ፍርዲ መጸዋዕታ ከብጽሕሎም ፈቲኖም ነይሮም'ዮም።

እንተዀነ ኣብ መፈተሺ ነቑጣ ብፖሊስ ምእታው ተኸልኪሎም፡ ድሒሩ ድማ እቲ ትካል ነቲ መጸዋዕታ ናይ ቤት ፍርዲ ክቕበሎ ከምዘይክእል ብኣባላት ጸጥታ ተነጊርዎም።

ብተመሳሳሊ ብመሰረት እቲ ፋይል፡ ሓደ ወኪል ኣብ ኒውዮርክ ኣብ ዝርከብ ትራምፕ ታወር ንዶናልድ ትራምፕ ጁንየር ናይ ቤት ፍርዲ መጸዋዕታ ከቕርብ ፈቲኑ እኳ እንተነበረ፡ እቲ ንኸምዚ ዓይነት ሰነዳት ዝቕበል ሰብ ኣብ ምሳሕ ክኸውን ከምዝኽእል በቲ ኣብቲ እዋን ኣብ ኣፍ ደገ ኣብ ሓለዋ ዝነበረ ሓላፊ ተነጊርዎ።

ድሕሪ ክልተ መዓልቲ ኣብ ዝተገብረ ካልእ ፈተነ፡ እቲ ወኪል "ክፍሊ ሕጊ" ኣብታ መዓልቲ ከምዘይነበረ ከምዝተነግሮ እቲ ፋይል ይሕብር።

ኣብዚ ጉዳይ ቤት ጽሕፈት ፕረስ ቢቢሲ፡ ርእይቶ ክህብ ኣይደለየን።