ተወዳዳሪት ወይዘሪት ዓለም ኤርትራ ብኸመይ ልዕሊ 6 ሚልዮን ድምጺ ሓሊፋ

ምንጪ ስእሊ, Snit Habteab
ኣብ ሚስ ዎርልድ 2026 ንኤርትራ ወኪላ እትወዳደር ዘላ ስኒት ሃብተኣብ ተወልደመድህን ኣብቲ ውድድር ሽዱሽተ ሚልዮን ድምጺ ህዝቢ ብምርካብ ካብ ዓለምን ኣፍሪቃን ዝለዓለ ድምጺ ኣመዝጊባ ብዝለዓለ ብቕዓት ትመርሕ ኣላ።
እዚ ዓወት እዚ ግን ብልክዕ እንታይ ማለት እዩ፣ ስለምንታይከ ብዙሕ ኣቓልቦ ስሒቡ?
ድምጺ ምርጫ ህዝቢ እንታይ ማለት እዩ?
እቲ ድምጺ ምርጫ፡ ህዝቢ፡ ኣብ መላእ ዓለም ንዝርከቡ ደገፍቲ ንዝፈትውዎም ተወዳደርቲ ድምጾም ክህቡ ዘኽእሎም ውድድር ህዝባዊ ድምጺ ዝህብ ኣካል እዩ።
ብመሰረት ወግዓዊ መድረኽ ድምጺ፡ ኣብ ምድብ ምርጫ ህዝቢ፡ ተወዳደርቲ ኣብቲ ውድድር ንኽስጉሙን ኣብ መንጎ እቶም ናይ መወዳእታ ደረጃ ንኽበጽሑን ክሕግዞም ይኽእል እዩ።
እቲ ድምጺ ምሃብ ብኢንተርነት ዝካየድ ኮይኑ፡ ካብ ዝተፈላለያ ሃገራት ደገፍቲ ክሳተፉን ብድሕሪ ወከልቶም ኰይኖም ከድምጹን የኽእሎም።
ስለምንታይ'ከ እዩ ውጽኢት ኤርትራ ትርጕም ዘለዎ?

ምንጪ ስእሊ, Snit Habteab
ኣብ ዙርያ ቍጽሪ ድምጺ ስኒት ሃብተኣብ ዘሎ ኣቓልቦ ብዛዕባ ቍጽሪ ጥራይ ኣይኮነን። ኣብ መላእ ዓለም ዝርከቡ ብድሕሪ ስኒት ኰይኖም ዝተሰለፉ ኤርትራውያንን ደገፍታን ብሰፊሑ ዘንጸባርቕ እዩ።
ወግዓዊ መድረኽ ድምጺ ወይዘሪት ዓለም ኤርትራ ክሳብ 1 መስከረም ልዕሊ 6.2 ሚልዮን ድምጺ ረኺባ ከምዘላ የርኢ። እዚ ቝጽሪ እዚ ከኣ ኣብቲ ውድድር ቁንጅና፡ ብድምጺ ህዝቢ ብደረጃ ኣፍሪቃ ትመርሕ ከምዘላ የመልክት።
ሓንቲ ኣብ መድረኽ ኣህጉራዊ ውድድር ስማ ዘለዓል ሃገር፡ ከምዚ ዓይነት ደረጃ ተሳትፎ ምህላው፡ ሓይልን ጥምረትን እቲ ሕብረተሰብን ዲጂታላዊ ጐስጓስን ዘንጸባርቕ እዩ። ብዙሓት ኤርትራውያን ድማ ብመገዲ ማሕበራዊ ሚድያ ብመገዲ ስኒት ንሃገሮም ከጸውዑን ጽዑቕ ጐስጓስን ምትብባዕን ይገብሩ ኣለው።
ስኒት ሃብተኣብ ንፈለማ እዋን ወይዘሪት ኤርትራ ኣብ ሚስ ዎርልድ ኰይና ትወዳደር ስለዘላ እቲ ዛንታ ተወሳኺ ትርጕም ኣለዎ። ተሳትፎኣ ጥራይ ንኤርትራ ኣብ ሓደ ካብቶም ኣብ ዓለምና ልዑል ኣፍልጦ ዝረኸቡ ውድድራት ጽባቐን ሰብኣውነትን ሓደ ታሪኻዊ ህሞት እዩ።
ክንዮ እቲ ውድድር፡ ስኒት ከም መምህር፡ መስራቲት ማሕበር ግብረ ሰናይ፡ ከምኡ'ውን ንዅሉ ዝሓቁፍ ትምህርትን ምትእትታው ስንኩላንን ተጣባቒት ኰይና ብዝሰርሓቶ ስራሕ እትፍለጥ።
"ጽባቐ ምስ ዕላማ" ዝብል ጕዕዞኣ፡ ንህጻናትን ስድራቤታትን ብፍላይ ድማ ኦቲዝም ንዘለዎም ዕድላት ኣብ ምስፋሕ ዘተኮረ እዩ።
ክንድዚ ደገፍ ክትረክብ ዝደረኸ ምኽንያት እንታይ'ዩ?
ብዙሓት ተዓዘብቲ፡ ድሕሪ እቲ ልዕሊ 6 ሚልዮን በጺሑ ዘሎ ድምጺ ህዝቢ ሓያሎ ረቛሒታት ከምዘሎ ይሕብሩ።
ቀዳማይ፡ ኣብ መላእ ዲያስፖራ ዝርከቡ ኤርትራውያን፡ ነቲ ወፍሪ፡ ሃገሮም ኣብ ዓለማዊ መድረኽ ንምርኢት ዝሕግዝ ዕድል ጌሮም ይሰርሕሉ ስለዘለው ክኸውን እንከሎ፡ ጎስጓሳት ማሕበራዊ መራኸቢታት፡ ከምኡ'ውን ዝተዋደደ ናይ ምድማጽ ጻዕርታት፡ ነታ ኤርትራዊ ተወዳዳሪት ኣብቲ ውድድር ከምእትጐልሕ ገይሩዋ ኣሎ።
ካልኣይ፡ ብዙሓት ደገፍቲ ንዓወት ስኒት ከም ምንጪ ሃገራዊ ሓበን ይርእይዎ። እቲ ውልቀ ተሳትፎኣ፡ ኣብ መላእ ዓለም ዝርከቡ ኤርትራውያን ብድሕሪ'ቲ ናይ ሓባር ዕላማ ክጥርነፉን ንሃገሮም ብዓወት ክጽንብሉን ከም ሓደ ታሪኻዊ ኣጋጣሚ ክርእዩዎ ዕድል ሂብዎም ኣሎ።
6 ሚልዮን ድምጺ ንዓወት ውሕስነት ይህብ ድዩ?
ናይ ግድን ኣይኮነን።
ድምጺ ህዝቢ ኣገዳሲ ኣካል ውድድር ወይዘሪት ዓለም ክኸውን እንከሎ፡ እቲ ሓፈሻዊ ውድድር ብብዙሕ ምድባትን ብድሆታትን እዩ ዝውሰን። ተወዳደርቲ ኣብ ከም ሰብኣዊ ፕሮጀክትታቶም፣ ህዝባዊ ኣቀራርባአን፣ ቃለ መሕትትን ካልኦት ክፋላት ውድድርን ዝኣመሰሉ መዳያት እውን ይግምገማ እየን።
ይዅን እምበር ብድምጺ ህዝቢ ኣብ ቅድሚት ምምራሕ ርኡይ ህዝባዊ ደገፍ ዘርኢ ካልእ ብልጫ እዩ።
ንብዙሓት ደገፍቲ፡ እዚ ዓወት፡ ከም ሃገራዊ ኩርዓትን ሓበንን ስለዝርእዩዎ ካብ ውድድር ጽባቐ ንላዕሊ እዩ።
ኤርትራ፡ ብዜጋኣ ስኒት ሃብትኣብ ኣብ ቀዳመይ መድረኽ ውድድር ቍንጅና ዓለም ትሳተፍ ብምህላዋ ንዜጋታት ዝዓበየ ሓበን እዩ።
እቲ ንስኒት ሃብትኣብ ንምድጋፍ ዝካየድ ዘሎ ጐስጓስን ድምጺ ህዝብን ንኤርትራ ኣብ መድረኽ ኣህጉራዊ ውድድራት ዝኣተወትሉ ሓደ ዓቢ ምዕራፍ ኰይኑ ኣሎ። እቲ እናወሰኸ ዝኸይድ ዘሎ ድምር ድምጺ ህዝቢ ከኣ፡ ኣብ ሓባራዊ ዕላማ ናይ ምትእኽኻብን ምድግጋፍን ዓቕሞምን ዘጕልሕ እዩ።
ኣብ መወዳእታ ስኒት ትተዓወት ኣይትተዓወት፡ ድምጺ ህዝቢ ልዕሊ ሽዱሽተ ሚልዮን ምሕላፋ፡ ኣብዚ ዓለማዊ መድረኽ ጽባቐ ቍንጅና 2026 ካብ ዝዝረበሉ ዛንታታት ሓደ ኰይኑ ኣሎ።
















![ፊልሞን ሓጎስ፣ ኪዳነ ኣንገሶምን ክብሮም ገብረማርያምን [ካብ ጸጋም ናብ የማን] ኣብ 21 ሚያዝያ 2026 ብሞት ተቐጺዖም](https://ichef.bbci.co.uk/ace/ws/400/cpsprodpb/2266/live/c9828950-553c-11f1-b682-cf91850925ea.png.webp)


