ኖርወይ ንሽዱሽተ ኤርትራውያን ዜግነት ብምሕዳግ ካብ ሃገራ ክስጐጉ ወሲና

ባንዴራታት ኖርወይን ኤርትራን

ምንጪ ስእሊ, Getty Images

Published
ንባብ: 2 ደቓይቕ

ክፍሊ ኢመግረሽን ኖርወይ (UDI)፡ ንሽዱሽተ ኤርትራውያን ዝነበሮም ናይ ኖርወይ ዜግነት ብምሕዳግ ካብታ ሃገር ክስጐጉ ከም ዝወሰነ ንቢቢሲ ብጽሑፍ ኣረጋጊጹ።

እዚ ስጕምቲ እዚ ዝውሰድ ዘሎ፡ እዞም ሰባት ኣብ ግዜ ሕቶ ዕቝባኦም ዝሃብዎ ቃልን ድሒሮም ዘርኣይዎ ተግባርን ተገራጭዩ ብምርካቡ ምዃኑ ተገሊጹ።

እዞም ኤርትራውያን ናብ ኖርወይ ኣብ ዝኣተውሉ እዋን፡ ካብ መንግስቲ ኤርትራ በደልን ግፍዕን ከም ዝበጸሖም ብምግላጽ ዕቝባ ዝረኸቡ እዮም።

ይዅን'ምበር፡ ድሒሮም "ደገፍቲ ናይቲ ዝሃደምሉ ስርዓት ኰይኖም ብምርካቦም፡ እቲ ዘቕረብዎ ናይ ሓሶት ቃል ዜግነቶም ንኽሕደጉን ክስጐጉን" ምኽንያት ኰይኑ ኣሎ።

ቤት ጽሕፈት ኢመግረሽን ኖርወይ፡ ብጠቕላላ ንኣስታት 20 ዝዀኑ ኤርትራውያን ዜግነቶም ዘሕደገ ኰይኑ፡ መብዛሕትኦም ናብ ቦርድ ይግባይ ኢመግረሽን (UNE) ጥርዓን ኣቕሪቦም ነይሮም።

ካብቶም ጉዳዮም ዝተራእየ ትሽዓተ ሰባት፡ ናይቶም ሽዱሽተ ናይ ምስጓግ ውሳነ ክጸንዕ እንከሎ፡ ናይቶም ሰለስተ ግን እቲ ውሳነ ደው ከም ዝብል ተገይሩ ይርከብ።

እቲ ቦርድ ኣብ ዝመጽእ ወቕቲ ጽድያ፡ ጉዳይ ናይቶም ዝተረፉ ትሽዓተ ኤርትራውያን ክርኢ ትጽቢት ይግበር።

ክፍሊ ኢምግረይሽን መንግስቲ ኖርወይ ብ27 ሕዳር 2025 ሕቶ ዕቝባኦም ተቐቢሉ ዜግነት ንዝሃቦም ኤርትራዊ ዝመበቈሎም ናብታ ሃገር ብስደት ዝኣተዉ ዜጋታት፡ ኣንጻር እቲ ዘቕረብዎ ሕቶ ዕቝባ ንመንግስቲ ኤርትራ ዘለዎም ደገፍ ንልዕሊ ክልተ ዓመታት ክምርምር ድሕሪ ምጽናሕ ናይ ኖርወይ ዜግነቶም ከሕድጎም ይሸባሸብ ከምዘሎ ገሊጹ ነይሩ።

ሓንቲ ሓሙሽተ ኣባላት ዘለውዋ መርማሪት ጕጅለ፡ ንዝሓለፈ ክልተ ዓመታት ጉዳይ 135 ዜግነት ኖርወይ ዘለዎም ኤርትራውያን ክትምርምር ጸኒሓ እያ።

እዛ ጕጅለ መርመራኣ ዘካየደት፡ እቶም ውልቀሰባት ኣብ ማሕበራዊ መራኸቢታት ዝጽሕፍዎም ጽሑፋትን ዘርእይዎም ምንቅስቓሳትን መሰረት ብምግባር እዩ።

ብመሰረት ውጽኢት እቲ መርመራ፡ ካልኦት ካብቶም 135 ሰባት እውን ዝተዋህቦም ዜግነት ክሕደጉ ከም ዝኽእሉ ተመልኪቱ ኣሎ።

ኵሎም እዞም ምርመራ ዝካየደሎም ዘሎ ሰባት፡ ዜግነት ኖርወይ ተዋሂብዎም ብውሕዱ ንሸውዓተ ዓመታት ኣብታ ሃገር ዝነበሩ እዮም።

ቅድሚ ትሽዓተ ኣዋርሕ ኣብ ዝወጽአ ሓበሬታ፡ መንበሪ ፍቓድ 20 ሰባት ክሕደግ እንከሎ፡ ጉዳይ ተወሰኽቲ 30 ሰባት ድማ ይምርመር ከም ዝነበረ ይዝከር።

ብመሰረት ሕጊ ኖርወይ፡ ሓደ ሰብ ዕቝባ ንምርካብ ዝሃቦ ሓበሬታ ጌጋ ወይ ሓሶት ምዃኑ እንተ ተረጋጊጹ፡ ዝተዋህቦ መንበሪ ፍቓድን ዜግነትን ክሕደግ ይኽእል እዩ።

መንግስቲ ኖርወይ ከምዚ ዝኣመሰለ ስጕምቲ ክወስድ እዚ ናይ መጀመርታ እዩ።

እቶም ሕጂ ክስጐጉ ዝተወሰነሎም ሰባት፡ ናብ ኖርወይ ክኣትዉ እንከለዉ ካብ ግዱድ ሃገራዊ ኣገልግሎት፡ ማእሰርትን ግህሰት ሰብኣዊ መሰላትን ሃዲሞም ምምጽኦም እዮም ገሊጾም።

ይዅን'ምበር፡ ድሒሮም ንመንግስቲ ኤርትራ ደገፍ ከርእዩ ብምጅማሮም፡ እቲ ዘቕረብዎ ጥርዓን ቅኑዕ ሓበሬታ ከም ዘይነበረ ክፍሊ ኢመግረሽን ኖርወይ የረድእ።

መንግስቲ ኖርወይ ነዚ ኵነታት ብጥንቃቐ ክምርምሮ ዝተደረኸ፡ ቅድሚ ክልተ ዓመት ኣብ ከተማ በርገን ኣብ መንጎ ደገፍቲ መንግስቲ ኤርትራን ተቓወምትን ብሰንኪ ዝተላዓለ ዕግርግርን ግጭትን ምዃኑ ይፍለጥ።