ሃገራዊት ጋንታ ደቂ ኣንስትዮ ኤርትራ ንጅቡቲ ብገፊሕ ስዒራ ናብ ዝቅጽል ግጥም ሓሊፋ

Published

ትማሊ ኣብ ኣዲስ ኣበባ፡ ስታድዮም ኣበበ በቂላ ካልኣይ እግሪ ግጥም ምጽራይ ዋንጫ ዓለም ትሕቲ 20 ዓመት ኣንጻር ሃገራዊት ጋንታ ጅቡቲ ዝገጥመት ሃገራዊት ጋንታ ደቂ ኣንስትዮ ኤርትራ ብድምር ውጽኢት 6-1 ብምስዓር ናብ ዝቅጽል ምጽራይ ሓሊፋ።

ሃገራውያን ጋንታታት ኣፍሪቃ፡ ኣብቲ ኣብ ኮስታሪካ ኣብ ዝመጽእ ዓመት ዝካየድ ዋንጫ ዓለም ደቂ ኣንስትዮ ትሕቲ 20 ዓመት ክልተ ኮታ እዩ ተዋሂብውን ዘሎ።

ኣብ ቀዳማይ ዙር ምጽራይ ዋንጫ ዓለም ሃገራዊት ጋንታ ኤርትራ ኣንጻር ሃገራዊት ጋንታ ጅቡቲ'ዩ በጺሕዋ።

እዘን ክልተ ሃገራውያን ጋንታታት ፊፋ ብዝሃቦ ውሳን ኣብ ሳልሰይቲ ሃገር ክጋጠማ'ዩ ተሓራዩ፡ በዚ መሰረት ቀዳማይ ግጥመን ብሰንበት ብምክያድ፡ ኣብቲ ጸወታ ሃገራዊት ጋንታ ኤርትራ 3-1 ብምዕዋት ላዕለዋይ ኢድ ሒዛ'ያ ናብዚ ትማሊ ዘካየደቶ ካልኣይ ጸወታ ኣትያ።

ሃገራዊት ጋንታ ደቂ ኣንስትዮ ኤርትራ ትሕቲ 20 ዓመት ኣብ ቀዳማይ እግሪ ብዘመዝገበቶ ዓወት ኣብ ካልኣይ ርክባ፡ ማዕረ ምውጻእ'ውን ናብ ዝቅጽል ዙር ስለዘስግራ ተጻወትቲ ተረጋጊኤን'የ ዝጻወታ ነይረን፡ ከም ውጽኢቱ ኣብ ቀዳማይ 45 ደቃይቕ ካብ ክልቲኤን ሃገራውያን ጋንታታት ሸቶ ከይተመዝገብ ናብ ዕረፍቲ ኣምሪሐን።

ኣብ ናይ ድሕሪ ዕረፍቲ ብሓያል ረስኒ ዝጀመራ ተጻወትቲ ሃገራዊት ጋንታ ኤርትራ፡ ኣብ መበል 47 ደቒቅ መሪሕነተን እተደልደል ብምስጋና መሓሪ ሓንቲ ሸቶ ኣመዝጊባ።

ኣጥቃዒት ሃገራዊት ጋንታ ኤርትራ ድያና እስቲፋኖስ ኣብዚ ናይ ትማሊ ግጥም ኣብ መበል 73 ከምኡ'ውን 86 ኣከታቲላ ክልተ ሸቶታት ብምምዝጋባ ጸወታ ብዓወት ሃገራዊት ጋንታ ኤርትራ 3-0 ተዛዚሙ።

ሃገራዊት ጋንታ ኤርትራ ዝቅጽል ጸወታኣ ኣንጻር ሃገራዊት ጋንታ ታንዛንያ'ዩ ክኸውን።